ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝሓለፈ ትሸዓተ መዓልታት ተዓጽየን ዝቐነያ 43 ዝተፈላለያ ጨንፈር ባንክታት ኣብ ንግዳዊ መዳይ’ቲ ክልል ጉድኣት የስዕቡ ከምዘለዉ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ባንኪታት ኢትዮጵያ ኣቶ ደምሰው ካሳ ገሊጾም። ንሶም እተን ጨንፈር ባንክታት ዝተዓጸውሉ ምኽንያት ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተረኽበ ሓበሬታ’ዩ ዝበሉዎም’ውን ኣካፊሎም።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ሃረሪ ኣቶ ሄኖክ ሙሉነህ ምላሽ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣይሰለጠን። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ዝዘርግሖ ካብ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ዝወጸ መግለጺ እተን ባንክታት ዝተዓጽዋ ኣብ ዘይተወድኡ ህንጻታት ኣገልግሎት ብምሃብን እምበር ንናይ ልምዓት ኮሪደር ገንዘብ ኣይከፈልኩምን ብዝብል ከምዘይኾነ ሓቢሩ ነይሩ።
እተን ባንክታት ንናይ ልምዓት ኮሪደር ዝዋጻእ ገንዘብ ብዘይምኽፋሎም ከም ዝተዓሸጉ ክገልጹ ከለዉ ኣቦ መንበር ማሕበር ባንክታት ብወገኑ እተን ባንክታት ዝተዓሸጋ ኣብ ዘይተወደኣ ህንጻ ኣገግሎት ብምሃበን ከምዝኾነ ገሊጾም፡ ንልምዓት ኮሪደር ገንዘብ ብዘይምኽፋል ዝተዓሸገ ባንክ የለን ክብሉ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቦም ኣለዉ።
ቅጥዒ