ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሊባኖስ ናብ ፈረንሳ ከምዝኸዱ ሓቢሮም


 ቀዳማይ ሚንስትር ሊባኖስ ሳዒድ ሓሪሪ
ቀዳማይ ሚንስትር ሊባኖስ ሳዒድ ሓሪሪ

ቀዳማይ ሚንስትር ሊባኖስ ሳዒድ ሓሪሪ ኣብ ዝቕፅላ መዓልታት ናብ ፈረንሳይ ንምኻድ ተሰማሚዖም።ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ስልጣነይ ሓዲገ ኣለኹ ኢሎም ካብ ዝእውጁ እዚ ዳሕረዋይ ምዕባለ እዩ።

ሓሪሪ ካብ ስልጣነይ ወሪደ ኣለኹ ኢሎም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኮይኖም ካብ ዝእውጁ ተታሒዞም ድዮም ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ፡ ናይ ሊባኖስ ፕሬዝዳንት ሚቸል ኣውን ሓሪሪ ኣብ ቀይዲ እዮም ዝርከቡ ኢሎም ኣለው።ክሳብ ናብ ሊባኖስ ዝምለሱ ሓሪሪ ካብ ስልጣን ወሪደ ኣለኹ ምባሎም ከምዝይቕበሉዎ እውን እቶም ፕሬዝዳንት ገሊፆም።

ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ዓብድል ኣል-ጁበይር ስዑዲ ዓረብ ንሓሪሪ ኣሲራቶም ኣላ ንዝብል ሎሚ ሓሙስ ነፂጎምዎ ኣለው፤መዓስ ካብታ ሃገር ዝወፁ ዝውስኑ እውን ሓሪሪ እዮም ኢሎም።

ሊባኖስ ኣብ መንጎ ብኢራን ዝድገፍ ሂዝቦላህን ናይ ሓሪሪ ስድራን ኣብ ዝነበራ ፖለቲካዊ ግጭት ስዑዲ ዓረብ ንሓሪሪን ስድርኦምን ሓገዝ ትህብ ነይራክትብል ትኸስስ።

ናይ ስልጣን መልቀፂ መደረ ኣብዘስምዕሉ እዋን ኣብ መንጎ መንግስታት ዓረብ ፍሕፍሕ ይፈጥሩ ኣለው ክብሉ ንኢራንን ሂዝቦልን ኮኒኖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG