ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጉሳት ህዝቢ ዝነብሩለን ሃገራት


smiling face
smiling face

ብመሰረት 2016 ዓለም-ለኸ ሪፖርት ሕጉሳት ሰባት፣ ህዝቢታት ቡሩንዲ፣ ቤኒን፣ ሩዋንዳ፣ ጊኒ፣ ላይቤርያ፣ ታንዛንያ፣ ማዳጋስካርን ቶጎን፣ ዘይሕጉሳት ኣህዛብ ምኻኖም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት 2016 ዓለም-ለኸ ሪፖርት ሕጉሳት ሰባት፣ ህዝቢታት ቡሩንዲ፣ ቤኒን፣ ሩዋንዳ፣ ጊኒ፣ ላይቤርያ፣ ታንዛንያ፣ ማዳጋስካርን ቶጎን፣ ዘይሕጉሳት ኣህዛብ ምኻኖም ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር’ቲ ትካል መፅናዕቲ ጃን ክሊፍተን ‘ኣብ’ቲ መፅናዕቲ ከም ሃገራዊ ፍርያት፣ ዕድመ ሰባት፣ ብልሽውና፣ ማሕበራዊ ደገፋትን ኣብ ህይወት ንዘድልዩኻ ንምውሳን ዘሎ ሓርነት ከምረቛሒ ከምዝተወሰዱ’ ጠቂሱ።

ኣብ ላይቤርያ ለበዳ ኢቦላ ንሰባት ታሕጓሶም ከምዝመንጠሎም እቲ መፅናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ሩዋንዳ ዘጓነፎም ኣልዒሉ ክዛረብ ከሎ ሩዋንዳ ንሓቂ ዝተጎብለላ’ያ ምኽንያቱ፣ ናይ ኣፍሪቃ ሲንጋፖር እናተባሃለት ትፅዋዕ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና ክሳዕ ክንዲ’ቲ ዝጋነን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ኣይራኣየላን በለ ንሱ።

ኣዝዮም ሕጉሳት ህዝቢ ዝነብሩላ ሃገር ዴንማርክ ክትኮን ከላ ስዊዘርላንድ ድማ ትስዕብ። ኣይስላንድ፣ ኖርዌይ፣ ፊንላንድ፣ ካናዳ፣ ኔዘርላንድ፣ ኒውዚላንድ፣ ኣውስትራልያን ስዊድንን’ውን ብቅደም ሳዓብ ሃገራት ሕጉስ ህዝቢታት ተባሂለን ተሰሪዐን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG