ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓማስ፡ ተዅሲ ናይ ምቁራፅ ውዕል ክፍፀም እማመ ኣቕሪቡ


ሓማስ፡ እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ካብ ቓዛ ክትወፅእ ን135 መዓልታት ዝጸንሕ ተዅሲ ናይ ምቁራፅ ውዕል ክፍፀም እማመ ኣቕሪቡ። ሓማስ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ውጥን እስራኤል ወታሃደራታ ካብ ወሽመጥ ቓዛ ክትስሕብን ኵናት ከብቅዕ ኣብ ስምምዕ ምብፃሕን ኩሎም ዝተጨወዩ ድማ ነፃ ክወፁን እዩ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዘቕረቦ ንድፊ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቐጠርን ግብፃዊያንን ሸምገልቲ ቀሪቡ ብእስራኤልን ኣመሪካን ተቐባልነት ንዝረኸበ ጻውዒት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ውግእ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ደው ንምባል ዓብዪ ዲፕሎማሳዊ ድፍኢት ኣብ ዝሓየለሉ ግዜ እዩ።

ሓማስ ካብ ቓዛ ክሳብ ዘይተፀረገ ወታሃደራተይ ኣይስሕብን እየ ክትብል ካብ ዝፀንሐት እስራኤል ነቲ እማመ ዝምልከት ዝተወሃበ መልሲ ዛጊት የለን።

ሓማስ ዘቕረቦ ንድፊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 45 መዓልታት ዝወስድ ሰለስተ ምዕራፍ ዘለዎ እማመ እዩ። እቶም ዕጡቓት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝዓፈኑዎም ዝተረፉ እስራኤላዊያን ከረክቡ ምላሹ ድማ እስራኤል ዝሓዘቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ዝርከቡዎም ብኣማእቲ ዝቑጸሩ ፍልስጤማዊያን ክልቀቑ፣ ህንፀት ቓዛ ምጅማርን ሓይልታት እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ክወፁን ሬሳታት ክቀያየሩን እዮም። በቲ ዝቐረበ ንድፊ ሓማስ ኣብ ቓዛ ኣብ ስልጣን ክቕፅልን ወታሃደራዊ ኣቕምታቱ ዳግም ክሃንፅን ዘኽእሎ እዩ። መራሕቲ እስራኤል ድማ ነዚ ብኣግኡ ክነፅጉዎ ዝፀንሑን እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናብቲ ዞባ ዝገሹ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ መራሕቲ ቐጠርን ግብፅን ድሕሪ ምርኻቦም ናብ እስራኤል ብምምራሕ ብዛዕባ ቶኽሲ ደው ምባልን ጅሆ ዝተትሓዙ ዝፍትሕሉን ብሓማስ ዝተውሃበ መልሲ ብዝምልከት ንመራሕቲ እስራኤል መብርሂ ሂቦም። ክልቲኦም ኣካላት ክሳዕ ሕጂ ክረኽቡዎ ዘይክኣሉ ሸቶታት ክነዕውት ኢና ኢሎም ይደፍኡ ኣብዘለውሉ እቲ ኵናት ናብ ሓምሻይ ወርሑ ኣትዩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG