ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓማስ 3 ጂሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ እሱራት ክለቅቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ


ፍልጤማዊያን ኣብ ቓዛ 12, የካቲት 2025
ፍልጤማዊያን ኣብ ቓዛ 12, የካቲት 2025

ንምቍራጽ ተጻብኦታት ቓዛ ከይዕንቅፍ ተሰጊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓማስ ከም መደቡ ሰለስተ ካብቶም ጂሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዜጋታት እስራኤል ክለቅቕ ምዃኑ ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

ሓማስ፡ “እስራኤል መብጽዓኣ ኣየተግበረትን” ብዝብል ክሲ፡ ንምፍታሕ እቶም እሱራት ከደናጓዮ ምዃኑ ከመልክት ጸኒሑ’ዩ። ንሱ ምስ ዘይከውን ድማ እስራኤል መጥቃዕቲ ከምትፍጽም ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ። ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ፡ ድሒሩ ዝመጽእ መጥቃዕቲ ንሓማስ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝድምስስ ከም ዘይዓርፍ ኣጠንቂቑ’ዩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ’ውን ንተበግሶ እስራኤል ደጊፉዎ ነይሩ።

ድሕሪ መግለጺ ሓማስ፡ ክሳብ’ዚ ዜና ዝዳለወሉ ሰዓት ካብ እስራኤል ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ የሎን።

መሪሕነት ሓማስ ነቲ ዕርቂ ምስ ኣውሓስቲ እቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝዀና ግብጺን ቐጠርን ድሕሪ ምዝርራቦምን እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ቓዛ ክቕጽል ምዃኑ ድሕሪ ዝረኸቡዎ መረጋገጺ ነቲ ውሳነ ክውስዱ ከም ዝተደፋፍኡ ይገልጹ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG