ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ በብዓመቱ 31 ጥቅምቲ በዓል ሃለዊን ይኽበር።ሚሊዮናት ኣሜሪካዊያን ዝተፈላለዩ ዘፍርሑ ወይ ዘስሕቑ ኣልባሳትን ምስልታትን ይኽደኑ፤ህፃውንቲ ድማ ፈቐዶ ገዛውቲ እናዘሩ ከረሜላ ይቕበሉ።ዱባ ንናይ ሃለዊን በዓል ቀንዲ መጋየፂ ተኸሊ እዩ።
ሃለዊን ኣብ 1745 ብኣውሮፓዊያን ስደተኛታት ኣቢሉ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ከምዝኣተወ ዊኪፐዲያ ይሕብር።
ካስቱም ይብሉዎ።ነዚ በዓል እዚ ዝኸደንዎም ዓይነታት ኣልባሳት።በዓል ሃለዊን ኣብዝቀራረበሉ እዋን ኣብ ፈቐዶ ናይ ንግዲ መደብራት ዝተፈላለየ ዘፍርሕ ወይ ዘስሕቕ ቅርፅን መጠንን ዘለዎም ኣልባሳት ንዕድጋ ይቐርቡ።ዱባ እውን ዝተፈላለይ ቅርፂ እናወፀሉ ይሽየጥ።
ሰባት ነቶም ዱባታት ናብ ገዛውቶም ይውሰዱዎም እሞ ቀልም ይልከዩ፣ወይ ቅርፂ ይወፀሎም ወይ ድማ ከምዘለውዎ ይቕመጡ።እዚ ልሙድ ኣከባብራ በዓለ ሃለዊን እዩ።
ሃለዊን ብዙሕ ገንዘብ ብዕዳጋ ዝፈሰሉ በዓል እውን እዩ።ድባ ጥራሕ ከይኮነስ ዝተፈለላዩ ቅርፅታትን መልክዓትን ዘለዎም ካስቱም ንምዕዳግ ኣሜሪካዊያን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ሃለዊን 2.6 ቢሊዮን ዶላር ከውፅኡ ትፅብቲ ይግበር።እንስሳት ዝኽደኑዎም ካስቱም ወይ ኣልባሳት ዝሽየጥሎም ናይ ዕዳጋ ማእኸላት ኣብ ምሉእ ዩናይትድ ስቴትስ ምኽፋት ምጅማሮም እውን ኣሜሪካዊያን ንእንስሳቶም ዘፍርሕ ፋሽን ንምዕዳግ ልዕሊ 300 ሚሊዮን ዶላር ከውፅኡ እውን ትፅቢት ይግበር።