ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫኦም ንብዙሓት ስደተኛታት ቅሳነት ዝህብ ግን ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ስጉምቲ ከምዝትግብሩ ተፈሊጡ።
እዚ ስጉምቲ’ዚ ይወስዱ ዘለው፣ ኣብ ዶብ ምስ ሜክሲኮ ከቢድ ጸረ ስደተኛታት ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱን፣ ንዝተፈላለዩ ተሓለቅትን ብርክት ዝበሉ ዴሞክራሲያዊያንን ድሕሪ ምቑጠዖምን እዩ።
ብመሰረት ዋይት ሃውስ ዝሃቦ መግለጺ ምምሕዳር ባይደን፣ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ፣ ንዜግነት ዘይብለን ኣንስቶም ወይ ዘይብሎም ሰብኡተን፣ ቅድም ግሪን ካርድ ድሕሪኡ ዜግነት ንክረኽቡ ከምዝፈቅድ ኣፍሊጡ።
ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ፣ እዚ ሓድሽ ተበግሶ’ዚ፣ ንኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ከምዝጠቅም ይገልጹ።
በዚ ሓድሽ ፖሊሲ ተረባሒ ንምዃን ንኣመሪካዊ ዝተመርዐወ ኣብ ኣመሪካ ድማ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ን10 ዓመታት ዝነበረ ወይ ዝነበረት ክኸውን ኣለዎ/ዋ።
ኣስታት 50 ሽሕ ዜግነት ዘይብሎም ቆልዑ ካብ ንኣመሪካዊ ዝተመርዓው ሰባት ዝተወለዱ እዮም። እቶም ቆልዑ’ውን በቲ ሓድሽ ፖሊሲ ተረባሕቲ ክኾኑ እዮም።
ቅጥዒ