ዋሽንግተን —
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቅዱስ ምብጻሕ ሕጃ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ብርቱዕ ኩነታት ሙቐት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 1,000 ከም ዝበጽሑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።
ኣስታት 10 ሃገራት ዘቕረብኦ ጸብጻብ ግዳያት ተደሚሩ 1,081 በጺሑ`ሎ። ሕጃ ሓንቲ ካብተን ነብስወከፍ ኣማኒ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ሂወት ዘመኑ ክፍጽመን ዝግባእ ሓሙሽተ መትከላት ሓንቲ ምዃና ይፍለጥ።
ሓደ ዲፕሎማት ንኤ.ኤፍ.ፒ ከምዝሓበሮ፡ 658 ግብጻውያን ብልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ሙቐት ሞይቶም፡ መብዛሕቲኦም ድማ ዘይተመዝገቡ በጻሕቲ`ዮም ኢሉ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ ድማ፡ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ 68 ዮርዳኖሳውያን ኣብ መካ ክቕበሩ ከምዘፍቐዱ ገሊጾም ኣለው።
ቅጥዒ