ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 2.5 ሚሊዮን ኣመንቲ ምስልምና ኣብ መካ ፀሎቶም ቐፂሎም ኣለው


ሰበስልጣን ስዑዲ ደሕንነት እቶም ኣመንቲ ንምርግጋፅ ምቕራብ ቀሊል ናይ ባቡር ኣገልግሎት ሓዊሱ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ምውሳዶም ይገልፁ

ልዕሊ ክልተን ፈረቓን ሚሊዮን ሙስሊም ብኣመንቲ ምስልምና ቅዱስ ቦታ ተባሂሉ ኣብብዝፍለጥ መካ ፀሎቶም ቐፂሎም ኣለው።ኣብ ልዕሊ ምስሊ ሰይጣን ኣእማን ብምድርባይ እቲ ዓመታዊ ስነስርዓት ፀሎት ኣብ ናይ መወዳእታ ማዕልቱ ኣትዩ’ሎ።
ካብቲ ናይ ሓሙሽተ ማዕልታት ስነስርዓት ናይ ህዝቢ ማዕበል ናብቶም ሰለስተ ሓውልትታት ብምውሓዝን እምኒ ብምድርባይን ንሰይጣን ምቕጥቃጥ እቲ ኣዝዩ ዘጭንቕ ኽፋል እዩ።ሰይጣን ንኸጋግዮ ሰለስተ ግዜ ተመላሊሱ ኣብርሃም እምኒ ብምድርባይ ዝተኸላኸሎ ንምምልካት እቶም ኣመንቲ ዘካይድዎ እምኒ ናይ ምድርባይ ያታ እዩ።
ሰበስልጣን ስዑዲ ደሕንነት እቶም ኣመንቲ ንምርግጋፅ ምቕራብ ቀሊል ናይ ባቡር ኣገልግሎት ሓዊሱ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ምውሳዶም ይገልፁ።ሕጃ ጥዕንኦ ንዝተማልአን ንሃፍታማትን ሃይማኖታዊ ግዴትኦም እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ነፃ ዝወፁ ሰባት’ውን እናተኻፈሉ ይርከቡ።ካብዞም ናብ ክልተ ሚሊዮን ዝፅግዑ ወፃእተኛታት ኣመንቲ ቅድሚ ሕዚ እምነቶም ብሞኣመር ጋዳፊ ዝውሰን ዝነበሩ ተራ ዜጋግታት ሊብያ ይርከብዎም።
ኣብቲ ከባቢ ይርአ ዘሎ ሰፊሕ ለውጢ ዋላ ኣብዚ ናይ ቅዱስ ናይ እምነት ቦታ እንተኾነ’ውን ኣብ ናይ ብዙሓት ኣእምሮ ኣሎ።ሓንቲ ግብፃዊት ኣማኒት ኩነታት ሙስሊማት ንኽምሓየሽ ናብ እግዚኣብሄር ትፅሊ ከምዘላ ትዛረብ።
ዝሓለፈ ቀዳም ናይ ሕጃ ፀሎት ኣብዝተኸፈተሉ ናይ ስዑዲ ዓረብ ላዕለዋይ ሙፍቲ ሸኽ ዓብዱል ዓዚዝ ኣል-ሸኽ ኣብ መንጎ ህዝብን መራሕቶምን ወጥርን ግጭትን ንኽልዓል ንዝገብሩ ንዝበሉዎም ንናይ ወፃኢ ሓይልታት ብምንቃፍ ብዛዕባ እቲ ዘይምርግጋእን ለውጥን’ውን ተዛሪቦም።
ዜጋታት ሽግሮም ብምፍሳስ ደም ከይኮነስ ብልዝብ ክፈትሑ ከምዘለዎም እውን ፀዊዖም።መራሕቲ’ውን ኣንፅር ህዝቦም ኣፅዋር ንኸይጥቀሙ የግዳስ ብሕጊ እስላም ስጉምቲ ንኽወስዱ ተማሕፂኖም።

XS
SM
MD
LG