ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኣሲሮም ዝነበሩ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዓሪፎም!


ቀበርቲ ኣብ መንበሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር
ቀበርቲ ኣብ መንበሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር

ኣብ ኤርትራ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ቤ/ትምህርቲ ኣልድያእ ኣል እስላምያ ብዝተታሓሓዘ ተኣሲሮም ዝነበሩ 93 ዓመት ዝዕድሚኦም ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝሓለፈ ቀዳም ዓሪፎም።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ከምዝተቐብሩ’ውን ኣባላት ስድራኦም ንቪኦኤ ገሊጾም።

ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝተኣሰሩ ቤ/ትምህርቲ ኣልድያእ ኣል ኢስላምያ ክትዕጾ መንግስቲ ኤርትራ ትእዛዝ ምስሃበ ነቲ ትእዛዝ ድሕሪ ምቅዋሞም ምዃኑ ኣብ’ቲ እዋን ተጠቒሱ’ዩ።

ኣብ 1960ታት ከምዝተመስረተት ዝንገረላ ቤ/ትምህርቲ አልድያእ ኣል-እስላምያ ብገንዘብ ህዝቢ ስለ ዝተሃንጸት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክትኣቱ ኣይግባእን ዝብል ተቓውሞ ካብ ተማሃሮ፣ ወለድን ሓጂ ሙሳን ይቃላሕ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ። ሰልፊ’ውን ተገይሩ’ዩ።

ሬሳ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ንቤተሰቦም ተዋሂቡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝተረኽበሉ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ኣብ ኣስመራ ተፈጺሙ ኣሎ።

ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ካብ 40ታት ጀሚሮም ንነጻነት ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ ተሳቲፎም’ዮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:40 0:00

XS
SM
MD
LG