ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሀይቲ፡ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ትጓየ


መራሕቲ ሀይቲ፡ ብኣመሪካ ንዝተነብረ ገደብ ግዜ፡ ንምቛም ሸውዓተ ዝኣባላታ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ይጓየዩ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሪየል ሀንሪ ካብ ኣመሪካን ናይ ሃገራት ካሪብያን ደምበ ዝዀነን ካሪኮም ድሕሪ ዝተገብረሉ ጸቕጢ መዝነቱ ለቒቑ’ዩ። ኣብ ዝቕጽል 24 ሰዓታት ንመሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ዝዀኑ ሸውዓተ ሰባት ክመርጹ ተገዲዶም ኣለዉ።

እቲ ዝቐውም መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሽዱሽተ ካብኣቶም ንበበይኖም ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝሓቘፉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሓደ ድማ ዘይሻራዊ ዜጋ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ቆመ ድማ መሰጋገሪ ፕረዚደንት ክመርጽ ትጽቢት ይግበሮ።

ኬንያ ዝመርሓተን ገለ ሃገራት ናብ ሀይቲ ሓይሊ ፖሊስ ንምስዳድ ድልውነት ክገልጻ ምጽናሐን ይፍለጥ። ትማሊ ሰሉስ ድማ ቅድሚ ፖሊስ ምስዳዳ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ክቐውም ከም እትሓትት ኬንያ ኣፍሊጣ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG