ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሀይቲ -- ቤት ፍርዲ ንበዓልቲቤትን ክልተ ላዕለዎት ሰብ-መዚን ተሓተትቲ ቅትለት ፕረዚደት ነበር ይገብር


ፕረዚደንት ሀይቲ ጀቮነል ሞይን በዓልቲ ቤቶምን
ፕረዚደንት ሀይቲ ጀቮነል ሞይን በዓልቲ ቤቶምን

ቤት ፍርዲ ሀይቲ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ብዝተፈጸመ ቅትለት ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበረ ፕረዚደንት ጀቮነል ሞይሰ እቶም ቀንዲ ሃንደስቲ በዓልቲቤቱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበርን ሓላፊ ፖሊስ ሀይቲ ነበርን ክብል ድሕሪ ዝግበሮ መርመራ ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋኑ ቀተልቲ በዓል ቤታ ነበር ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ክተሓዙን ደጋጊማ እትጽውዕ ዝነበረት ማርቲን ሞይሰን ቀዳማይ ሚንስተር እታ ሃገር ነበርን ብቐንዱ ብምትሕብባር ቅትለት ክኽሰሱ እንከለዉ፡ ሃንዳሲ እቲ ቅትለት ግን ሓላፊ ፖሊስ ዝነበረን ሕጂ ተወካሊ እታ ሃገር ኣብ ደምበ ሃገራት ኣመሪካ ዘሎ ሊዮን ቻርለስ ምዃኑ እቲ ዳኛ ይገልጽ።

ቻርለር ነቲ ውጽኢት መርመራ ፖለቲካዊ መሳርሒ ክብል ነጺጉዎ ኣሎ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዘዳልወሉ እዋን ካብ በዓልቲ ቤቱ ነበርን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ግብረ-መልሲ ኣይረኸበን።

ሀይቲ ኣቐዲማ ብሓያሎ ማሕበረ-ቍጠባዊ ሽግራት ክትሕመስ ምጽናሓ ዝዝከር ኰይኑ፡ ድሕሪ ቅትለት እቲ ፕረዚደንት ግን ናብ ፍጹም ቅልውላውን ሕጊ-ኣልቦነትን ሰጊራ’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG