ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሀይቲ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሓይሊ ፖሊስ ኬንያ የማርሩ


ኣብ ሀይቲ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሓይሊ ፖሊስ ኬንያ የማርሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:10 0:00

ኣብ ሀይቲ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሓይሊ ፖሊስ ኬንያ የማርሩ

ኣብታ ብስእነት ውሽጣዊ ጸጥታ እትሕመስ ዘላ ሀይቲ፡ ዓቀብቲ ሰላም ተባሂሎም ካብ ዝተላእኩ ኣስታት 400 ኬንያውያን ሓይሊ ፖሊስ፡ ብስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ብኵራት ክፍሊትን ነቲ ስራሕ ይሓድጉ ከም ዘለዉ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ መርመራዊ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ድሮ ኣስታት 20 ዝዀነ ስራሖም ንኽገድፉ መመልከቲ ወረቐት ኣእትዮም ኣለዉ።

ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወል ሓይሊ ፖሊስ ሀይቲ፡ ኬንያውያን ኣባላት ፖሊስ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ መሃያኦም ከም ዘይተኸፍሉ ይገልጹ። ካብ መንጎኦም ብምኽንያት እቲ ኣሰካፊ ኣተሓሕዛ ካብቲ ስራሕ ንኽሰናበቱ መመልከቲ ኣእትዮም ከብቅዑ ዛጊት ግን መልሲ ዝሃበ ኣካል የሎን።

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኬንያ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ካብ ሮይተርስ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

ኣዛዚ ፖሊስ ኬንያ ዶግላስ ካንጃ፡ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ተልእኾ ዝርከቡ ኣባላት ክሳብ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ መሃያ ከም ዝተኸፍሉ ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ካብቶም ሮይተርስ ዘዘራረቦም ኣባላት እቲ ተልእኾ ክሳብ ናይ ወርሒ መስከረም ደሞዝ ጥራይ ከም ዝተኸፍሎም’ዮም ገሊጾም።

ኣብቲ “ሓባራዊ ተልእኾ ምውሓስ ጸጥታ” ዝተሰመየ መደብ ኬንያ 400 ኣባላት ፖሊስ ኣዋፊራ ኣላ። እቲ ካብ ኣስታት 10 ሃገራት፡ ከባቢ 2500 ሓይሊ ፖሊስ ንምዕጣቕ ዝዓለመ መደብ፡ ብሰንኪ ዘይእኹል ዓቕሚ ሰብን ስእነት ገንዘብን ከም ዝሳቐ ይግለጽ።

ኣባላት ክልእካ ቃል ኣትየን ዝነበራ ሃገራት ብዙሓት እኳ እንተ ነበራ፡ ውሑዳት ጥራይ’የን ግን መብጽዓአን ኣተግቢረን። ቀዲማ 400 ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ ዝለኣኸት ኬንያ’ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኺ 600 ኣባላት ፖሊስ ንምስዳድ ብመንገዲ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ቃል ኣትያ ነይራ። ዛጊት ግን ንሱ’ውን ኣይተተግበረን።

በዚን ክንድኡን ተስፋ ዝቖረጹ ሰለስተ መኮንናት ኬንያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ስንብታ ደብዳበ ኣእትዮም። ንሳቶም መልሲ’ውን ከይረኸቡ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እንኮላይ መራሕ መስርዕ ዝርከቦም 15 መኮንናት ተመሳሳሊ መመልከቲ ኣእትዮም ኣለዉ።

ሀይቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንዅሉ ዝመርሕ ሓይሊ ኣብ ዘይብሉ፡ ብሰንሰለታዊ ጎንጺን ምቅትታል ጭፍራ ዓዋሉን’ያ ክትሕመስ ጸኒሓ። ነቲ ተርእዮ ኣብ ምህዳእ ተራ ክጻወቱ ዝተላእኩ ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ ኬንያ፡ ኣብ ባይታ ዝጸንሖም ክውንነት ዘይተጸበዩዎን ልዕሊ ዓቕሞምን ምዃኑ ሮይተርስ ዘዘራረቦም ኣባላት ይገልጹ። ሀይቲ’ውን ካብ ነውጺ ዓዋሉ ኣይደሓነትን። እኳ ደኣ ኣብ ዝደሓረ እዋን ናብቲ ኣቐዲሞም ዘይኣትዉዎን ዘይቆጻጸሩዎን ዝነበሩ ኣከባቢ ርእሰ-ከተማ ፖርት-ፕሪንስ ከስፋሕፍሑ ጀሚሮም።

ካብ መንጎ’ቶም ንሮይተርስ ዝተዛረቡ ኣባላት እቲ ዓቃብ-ሰላም ሓይሊ ፖሊስ፡ ኣኽላባት’ውን ከይተረፉ ስጋ ሰብ ክበልዑ ምርኣዮምን እዚ ድማ ፈጺሙ ንምጻሩ’ውን ዝኸብዶም ተርእዮ ምዃኑን ይሕብሩ።

ኣብቲ ተልእኾ ዘለዉ ኣባላት ምሉእ ዕጥቂ ከም ዘይብሎም’ውን ንሮይተርስ ጠቒሶም።

ምምሕዳር ባይደን’ዩ ንዝበዝሐ ክፋል እቲ ፕሮግራም ፋይናንሳዊ ሸፈነ ገይሩ ዘሎ። ካልኦት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ኣበርክቶ ክገብራ ኣመሪካ ጻውዒት ኣቕሪባ ነይራ። እንተዀነ ቻይናን ሩስያን፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጉዳይ ዕቃበታተን ኣስሚዐን’የን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG