ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሀይቲ ካብ መዝነቶም ለቂቖም


ቀዳማይ ሚኒስተር ሀይቲ ኣሪየል ሀንሪ
ቀዳማይ ሚኒስተር ሀይቲ ኣሪየል ሀንሪ

ድሕሪ ናይ ኬንያ መንገሻኡ ሃገሩ ኣብ ዝተሓመሰ ቅልውላው ብምእታዋ ክምለስ ዘይከኣለ ቀዳማይ ሚኒስተር ሀይቲ ኣሪየል ሀንሪ፡ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ዝፍጠር ስልጣኑ ክለቅቕ ምዃኑ ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጎረቤት ሃገር ፖርቶሪኮ ኰይኑ’ዩ ነዚ ቃል ሂቡ።

"ካቢነ ሚኒስተራት ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ ፕረዚደንት ከቝም ተሰማሚዑ ኣሎ። እቲ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ድማ ምስ ኵላቶም ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝታይ ኣባላት እቲ መሰጋገሪ ዝዀኑ ክሓሪ’ዩ። እዚ እካል ምስ ቆመ ድማ ኣነ ዝመርሖ መንግስቲ ንእለቱ ካብ መዝነቱ ክእለ’ዩ።”

ካሪኮም ንዝተባህለ ደምበ ሃገራት ካሪብያን ዝመርሕ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ጊያና ኢራፋን ዓሊ፡ ምልቃቕ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ሀይቲ ብኸምቲ ንሱ ዝበሉን ዝወጠኖን ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ደምበ ኣብ ጉዳይ ሀይቲ ኣብ ዕጹው ኣኼባ ነዊሕ ድሕሪ ምዝታዩ ናብቲ መደምደምታ ምብጻሑ ኣመልኪቱ።

ትማሊ ሰኑይ ኣንቶኒ ብሊንከን ሃገሮም ኣብ ሀይቲ ንዝዋፈሩ ኣውሓስቲ ጸጥታ ኣባላት ፖሊስ ዝውዕል 100- ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትገብር ምዃና ቃል ኣትዮም። ኣብ ርእሲኡ ድማ ነቲ ካሪኮም (CARICOM) ዝተሰምየ ልፍንታዊ ዞባዊ ደምበ ካሪብያን ዝውዕል ተወሳኺ 33- ሚልዮን ኣመሪካ ክትህብ ምዃና’ውን ብሊንከን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣመሪካ ካብዚ ዝቕጽል ዘሎ ሓገዛት ንነዊሕ ዝዓለመ ትጽቢት ከም ዘለዋ’ዩ ብሊንከን ዝገልጽ፤

"ሓቛፊ፡ ናጻን ኣሳታፊን መሪሕነት ንድግፍ። ንሱ ድማ ቀዳምነታቱ ህጹጽ ድሌት ህዝቢ ሀይቲ ክምልስ ዝኽእል ክኸውን ንደልዮ። ቀጺሉ ድማ ንተልእኾ ሰላም ዝሰርሕ ኣካል ዘወሃህድ፣ ከም ሳልሳይ ድማ ንሓይሊ ፖሊስ ሀይቲ ኣኪቡ ንናጻን ውሑስን ምርጫ ዝመርሕ ክኸውን ንጽበዮ። እዚታት ተደማሚሩ ኣብ መወዳእታኡ ጸጥታኣ ዝተዋሕሰት ናብ ርጉእ ቍጠባዊ ሓዲድን ንኽትምለስ ዝሰርሕ መራሒ ክኸውን ንትስፎ።”

ኣብ ሀይቲ ትማሊ ሰኑይ መራሒ ፈደረሽን ዓዋሉ ዝዀነ ጂምይ ቸርሴር ወይ ድማ በቲ ልሙድ መጸውዒ ስሙ “ባርቢክዩ” ኣብ ማእከል ርእሰ-ከተማ ፖርት-ፕሪንስ ብምዃን ጠያይት ክትኵስ ተራእዩ ኣሎ። ንሱ “ንሀይቲ መን ከም ዘመሓድራን እንታይ ዓይነት ስርዓት ትኽተልን ንህዝቢ ዝግደፍ’ዩ፡” ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ነዊሕ ከዘራርብ ዝጸንሐን ብቤት ፍርዲ እታ ሃገር ዝተኸልከለን ምስዳድ ፖሊስ ኬንያ ናብ ሀይቲ ኣብ መፈጸምታኡ ዝበጽሐ ይመስል። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ሃገራዊ ምምሕዳርን ኬንያ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኬንያ ንሓይሊ ፖሊስ ንምስዳድ ድልውቲ ከም ዘላ ገሊጹ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሀይቲ ኣሪየል ሀንሪ ብዛዕባ’ቲ ዓሚ ዝተበገሰ ጉዳይ ምስዳድ ፖሊስ ናብ ኬንያ ከይዱ ምስ መራሕቲ’ታ ሃገር ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ኬንያን ሀይቲን ኣብ ባሕቲ መጋቢት መዘከር ጸጥታ ፈሪመን ኣለዋ። በዚ ድማ እታ ብቤት ፍርዲ ኬንያ ተዓጊቱ ዝጸንሐ ምልኣኽ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ናብ ሀይቲ ክቀላጠፍ ክልተ ኣካላት ክልቲኦም አካላት ይትስፈው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG