ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ጉጅለ ዓዋሉ ሀይቲ፡ ህዝቢ ናብ ቤተ መንግስቲ ክምርሽ ይሕብር


ሓደ ካብ መራሕቲ ጉጅለ ዓዋሉ
ሓደ ካብ መራሕቲ ጉጅለ ዓዋሉ

መራሒ ጉጅለ ዓዋሉ ሀይቲ ዝዀነ ጂሚ ሸርዜር ወይ ድማ በቲ ልሙድ መጸውዒ ስሙ “ባርብኪዩ”፡ በቶም ዝመርሖም ትሽዓተ መራሕቲ ጭፍራን ከቢድ ሓለዋን ተሰንዩ ኣብ ርእሰ-ከተማ ፖርት-ፕሪንስ ብምምራሽ ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ ህጽጹ ናይ ሓደጋ እዋን ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።

ባርቢክዩ፡ ህዝቢ ናብ ቤተ መንግስቲ ክምርሽ ጻውዒት ኣቕሪቡን እቲ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ድማ ክለዓል ከም ዘለዎ ተዛሪቡን።

ደምበ ካሪብያን ኣብ ሀይቲ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ክምስረት ምዃኑ ድሕሪ ምንጋሩ፡ ባርቢክዩ ናብ ህዝቢ ኣይቀረበን ጸኒሑ። ሓያሎ ሀይታውያን ኣብቲ እማመ ትስፉዋት ከም ዘይኰኑ ይንገር።

እቲ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ፡ ንግዜያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ሓላፊ ጸጥታን ኮሚተ ምርጫን ክመርጽ ትጽቢት ይግበሮ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ’ቲ ሀይቲ ከተንግዶ ትጽቢት ዝግበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ሓለዋ ፖሊስ ክድግፍን ባይታ ከጣጥሕን ተስፋ ይንበሮ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG