ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሀይቲ: ብሰንኪ ቁጠባዊ ዝቕባበን ጎነጽን ኣብ ወጥሪ ትርከብ


ኣብ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም እታ ዝደኸየት ሃገረ ሀይቲ ዝቅባባ ገንዘብ ጠርዚ በጺሑ ንዜጋታታ ስለ ዘጨነቆም ተቃውሞ ሰልፍታት እናገደደ ነቲ ማሕበረሰብ ናብ ድርኹኺት ውድቀት ይደፍኦ ከም ዘሎ ይግለጽ'ሎ።

ተቃውሞ ኣዝዩ እናበኣሰ ብምምጽኡ ወለዲ ደቆም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ንምስዳድ ፈሪሆም'ለዉ። ነዳዲ: ዘይቲ: ጽሩይ ዝስተ ማይ ብቐሊሉ ምርካብ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነላ ሀይቲ ሆስፒታላት: ባንክታት ኣስቤዛ ዝሽየጠሎም ኣብያተ ንግዲ ተኸፊቶም ንምጽናሕ ይቃለሱ።

ዝሽየጥ ጋዛ የለን ብሰንኪ'ዚ ዝዝወራ መኻይን የለዋን፤ ዜጋታት ስራሕ ንምስራሕ ኸኣ ኣገልግሎት ንምርካብ ይጽገሙ ከም ዘለዉ ይገልጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር መንግስቲ ንነዳዲ ዘይቲ ዝህቦ ድጎማ ከም ዘቛርጾ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝገልጹ ንደሓር ዋጋ ነዳዲ ዕጽፊ ብምዃኑ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ'ሎ።

ተቃውሞ ሰልፈኛታት'ዉን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኖም ክሳብ ዝወርዱ ተቃውሞ ሰልፊ ከም ዝቅጽሉ ይገልጹ ኣለው።

XS
SM
MD
LG