ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢንጂነር ኃይሉ ሻውል ዓሪፎም


ኢንጂነር ኃይሉ ሻውል
ኢንጂነር ኃይሉ ሻውል

ፕረዚደንት ፓርቲ መላእ ሓድነት ኢትዮጵያ (መኢኣድ) ዝነበሩ ኢንጂነር ሃይሉ ሻውል ዓሪፎም።

ኣቶ ኃይሉ ሻውል ሎሚ ኣብ መበል 80 ዕድመ ዓመቶም ሕክምና ይረኽቡላ ኣብ ዝነበረት ሃገረ ታይላንድ'ዮም ዓሪፎም ይብሉ ምንጭታት ቪኦኤ።

መንቀሊ ሞት ኣቶ ኃይሉ ንጹር ኣይኮነን። ንሶም ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝሰነድዎ መጽሓፍ 'ተኣሲሮም ከለው ብሰንኪ ዘጋጠሞም ዛሕሊ፣ ኣብ ዓንዲ ሕቆኦም ቃንዛ ይስመዖም ከምዝነበረ' ጠቂሶም ነይሮም።

ኢንጂነር ኃይሉ ሻውል ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከቢድ ሕክምና ይግበረሎም ነይሩ'ዩ።

XS
SM
MD
LG