ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሓድሽ ካብኔኦም ናብ ፓርላማ ብምቕራብ ኣሺሞም።ካብ ዝተሸሙ 26 ሚኒስትራት መብዛሕቲኦም ሒዞምዎ ኣብዝነበሩ ስልጣን ዝቕፅሉ እዮም።ተቓወምቲ ፓርትትታ ዝተጣየሸ ሓድሽ ካብኔ ሓድሽ ነገር ዘይብሉን ንሽግራት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይፈትሕን እዩ ክብሉ ነቲ ሽመት ነቒፎምዎ ኣለው።
ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ካብ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ጀሚሩ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ዝመርሑ ኣባላት ካብኒኦም ሎማዕንቲ ሰሉስ ናብ ፓርላማ ብምቕራብ ኣፅዲቖም ኣለው።
ቀንዲ ሰበስልጣን ሒዞምዎ ኣብዝፀንሕሉ ሓልፍነት ቀፂሎም ኣለው።ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ዝነበሩ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዳግም ተሸይሞም ኣለው።ብማዕረግ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ኣተሓባባሪ ዘፈር ቁጠባ ከምኡ እውን ምንስቴር መራኸብን ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እውን ኣብዝነበሩዎ ሓላፍነት ቀፂሎም።
ብማዕረግ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ኣተሓባባሪት ዘፈር ሰናይ ምሕደራን ምንስቴር ፓብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሰብሃፍትን ወ/ሮ ኣስቴር ማሞ ኣብዝነበርኦ ክቕፅላ ተሸይመን ኣለዋ።
ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ምንስቴር ምክልኻል ሲራጅ ፌጌሳን ምንስቴር ፍትሒ ኣቶ ጌታቸው እምባየን ኣብ ዝፀንሕሉ ስልጣን ካብ መንጎ ዝቐፀሉ እዮም።
ምርጫ ሹመኛታት ንካላኣይ ዘመን ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ብብቕዓት ምስ ምምራሕ ዝተተሓዘ እዩ ኢሎም ኣለው ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም።
ኣብቲ ሹመት ሪኢቱኦም ዝሃቡ መራሒ ተቓወምቲ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ናይ 2007 ዓ/ም ሃገራዊ ምርጫ ንሕግን ሕገመንግስትን ብዝጠሓሰ ኣገባብ ዝተኻየደ ስለዝኾነ ዝተጣየሸ መንግስቲ ንናይ ኢትዮጵያ ሽግራት ፍታሕ ዘምፅእ ኣይኮነን ኢሎም።ውድቦም መግለፂ ንምውፃእ እናደላወ ምዃኑ እውን ኣፍሊጦም ኣለው።
ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት እቲ ሹመት ሓድሽ ነገር ከምዘይርኣይሉ ብምሕባር ኢህወዴግ ምእቲ ካብ ምእቲ ዝስዓረሉ ብምዃኑ ስርዓት መድበለ ፓርቲ ኣብ ሕቶ ወዲቑ’ሎ ኢሎም።
ምበር ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ልምዓትን ዴሞክራስን ናይ ሰላም ፃምእን ንምርዋይ ኣይኮነን ኢሎም ብውምሳኽ።ዝርዝሩ ይስምዑ።