ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ም/ቀ ሚ/ር ኢትዮጵያ ምስ ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን ተቐማጦ ኒውዮርክ


ም/ቀ ሚ/ር ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ኣባላት ኮምኒቲ ኢትዮዽያውያን ተቀማጦ ኒውዮርክን ተዘራሪቦም።

እቲ ኣኼባ ንብርክት ዝበሉ ሕቶታት ዳያስፖራ ዝመለሰ ምኻኑ ኣብ‘ቲ ቃለ-ምልልስ ዝተሳተፉ ኣቶ ዖማር መሓመድኑር ጠቂሶም።

ካብ ሞንጎ ዝተላዕሉ ሕቶታት ሓደ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቃወምቲ ዝያዳ ዘሳትፈሉ መድረኽ የጣጥሐሎም ዝብል'ዩ።ኣቶ ሃይለማርያም ብወገኖም ጥፍኣት ዝምነዩ ሓይልታት እንተዘይኮይኖም ምስ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝንቀሳቀሱ ተቃወምቲ ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና ከምዝበሉ ኣጋይሽና ገሊፆም

ንዕላማ‘ቲ ኣኼባ ዝገለፃ ኣብ‘ቲ ኤምባሲ ሰራሕተኛ ቢሮ ኮሚኒቲ ወ/ሮ ኑርያ መሓመድ ብወገነን፣ተሳትፎ ዳያስፖራ ብዝያዳ ንምሕያል ኣብ ቀፃሊ ብዙሕ ስራሕ ይፅበየና‘ሎ ኢለን።

ሙሉእ ሓበሬታ ካብ'ቲ ቃለ-ምልልስ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

XS
SM
MD
LG