ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ኣብ‘ዚ ወሳኒ ወቅቲ‘ዚ ንርእሶም ኣቃሊዖም ካብ ምባል ሓሊፎም መንነቶም ዘይገለፅዎም ወገናት፣ዝተፀለሉ ኢሎምዎም።
ኢትዮዽያ ኣብ ቀፃሊ ምስ ግብፂ ዝህልዋ ልዝብ፣ንመሰረታዊ መርገፂኣ ብዘይትንክፍ ኣገባብ ዝካየድ ምኳኑ ጠቂሶም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ገለ ግብፃዊያን ምሃንዲሳት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ኣብዚ ሎምቅነ ዝሃብዎ ሪኢቶታት ሳይንሳዊ ኣይኮነን ክብሉ ኣብቲ መዳይ ናይ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያዊያን ሰብሙያ ጉጅለ ኣካቢ ኣፍሊጦም።
ኣቦ መንበር እቲ ጉጀል ዶ/ር ስለሺ በቀለ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ግብፃዊያን ሰብሙያ ቑመት ግድብ ህዳሴ ንኽቕንስ ዘቕረብዎ ሓሳብ ንሃገሮም ዘይጠቅም ንኢትዮጵያዊያን እውን ዝጎድእ እዩ ኢሎም።’‘ክኢላታት ጉጅለ መፋስስ ናይል ካብ ዩኒቨርስቲ ካይሮ’ ብዝብል 18 ግብፃዊያን ዝፅሓፍዎ ነገር ኣሎ።ቑመት እቲ ግድብ ከምዚ ይኹን ከምዚባ ይነኪ ዝብሉ መፍትሕታት ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለው።እዚ ግን ኣብ ሳይንስ እውን ዝተሞርኮዘ ኣይኮነን።’’
መፍትሒ ሓሳብ ግብፂ ዘስደምም እዩ ዝበሉ ዶ/ር ስለሺ ብኦም ዝምራሕ ኢትዮጵዮዊያን ጉጅለ ሰብሙያ ናይ ፅሑፍ ምላሽ ምውፅኡ ኣፍሊጦም ኣለው።ግድብ ህዳሴ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘየብፅሕ ዓለምለኸ ክኢላታት ብዝርከብዎ ገለልተኛ ጉጅለ ሰብሙያ ዝተረጋገፀ ምዃኑ ዶ/ር ስለሺ ንቪኦኤ ኣብሪሆም ክብል እስክንድር ፍሬው ፀብፂቡ።