ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ኒዮሊበራል ሕብራዊ ለውጢ ንምልዕዓል ክፍትኑ እዮም ኢሎም ቀ/ሚንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ


ቀዳማይ ምንስቴር ኃይለማርያም ደሣለኝ
ቀዳማይ ምንስቴር ኃይለማርያም ደሣለኝ

ሓይልታት ኒዮ ሊበራል ቅድሚ 10 ዓመታት ዝፈተኑዎ ናይ ቀለም ኣብዮት ወይ ለውጢ /Color Revolution/ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ እውን ከለዓዕሉ እናፈተኑ እዮም ክብሉ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኸሲሶም።

ኣብ ቀረባ ምስ ዝተፈፀመ ናይ ቦንድ ዕዳጋ ብዝተኣሳሰረ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ፖሊሲ ከምዘየለ ዝገለፁ ኣቶ ሃይለማሪያም በዚ ምኽንያት ኣብ መንጎ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ዝብል እውን ልሙድ ናይ ሓሶት ወረ እዩ ኢሎምዎ።

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ትማሊ ሰኒ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ንናይ ወፃኢ ጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ብተደጋጋሚ ዝቐረብሎም ሕቶታት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝካየድ ሓምሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዘተኮሩ ነይሮም።

ብፍላይ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ብተደጋጋሚ ዝቐረቡ ነቐፌታታት እቲ ምርጫ ንኹሎም ተወዳደርቲ ፓርትታት ማዕረ ዕድል ዘይህብን ፖለቲካዊ ሃዋህው እውን ሕጊ ፀረ ሽብ ከምዝኣመሰሉ መንግስቲ በብእዋኑ ብዘውፅኦም ሕግታት ስለዝፀበበን ዴሞክራሲያውን ፍትሓውን ከምዘይኸውን ሕቶታት ቐሪቦም ነይሮም።

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ልምዓታዊ ርእዮተ-ኣለም ከም እትኽተል ነይሮም ብኣፅንኦት ዝገለፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:00 0:00

XS
SM
MD
LG