ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓውሞ ክልል ኦሮሚያ ብዝተዋደደ በለካ ልኽዐካ እዩ ተበጊሱ ኢሎም ቀ/ሃይለማሪያም ደሳለኝ


Prime Minister Hailemariam Desalegn
Prime Minister Hailemariam Desalegn
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈኣላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ተላዒሉ ዝነበረ ተቓውሞ ናይ ቀደም ስርዓት ናፈቕትን ፀበብትን እዮም ኣበገስቱ ክብሉ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኸሲሶም።መንግስቶም ነቲ ህውከት ዝፈጠሩ ፈልዩ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ገሊፆም።
ምስ ዓብየቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትይን ነበርቲ ከተማ ድሪዳዋ ትማሊ ሓሙስ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ኣብ ሰስምዕዎ መደረ ኣብቶም ዝሓለፉ ማዕልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ተላዒሉ ዝነበረ ተቓውሞ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ብዝደልዩ ሓይልታት ብሓሰት ብዝተዋደደ በለካ ለኽዐካ እዩ ኢሎም።

ብቴለቪዥን ኢትዮጵያ ኣብዝተመሓላለፈ ዜና ከምዝበልዎ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙሪኣን ዝርከቡ ናይ ኦሮሚያ ከተማታት ንምልማዕ ዝተዋደደ ማስተር ፕላን መንቀሊ እቲ በለካ ለኽዐካ እዩ ኢሎም።
ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ናይ ኦሮሞ መሬት ተወሲዱ’ሎ? ንምንታይ ይውሰድ? እዚኮ ሕገ መንግስቲ ዝሃበና መሰል እዩ ኢሉ እቲ ህዝቢ ንኽልዓል ከምዝገብር ምስ ገለፁ ነገር ግን ሓሰት እዩ ኢሎም።ኣስዒቦም ‘’ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ እቲ ህዝቢ ዝወሰኖ ዴሞክራሲያዊ ብሄረተኝነትን ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ሃኒፆም እዮም።ኩሉ ንክልሉ ባዕሉ ንባዕሉ እናመሓደረ፣ኣብ ክልሉ እናወሰነ፣ነገር ግን ናይ ሓባር ሃገር እናሃነፀ ዝኸደሉ ስርዓት እዩ።እንበታተነሉ ስርዓት ኣይኮነን’’ኢሎም።

ናይ ቀደም ስርዓት ናፈቕትን ፀበብትን ዝበሉዎም ነቲ ህውከት ከምዘልዐልዎ ብምሕባር ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ምርግግኡን መንግስቲ ቀንዲ ተዋሳእስቲ እቲ ህውከት ንዝኾኑ ብምፍላይ መንግስቲ ኣዳልዪ ስጉምቲ ክወስድ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኦን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴት ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያዊያን ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ይፍፀም ኣሎ ንዝበልዎ በደል ብምውጋዝ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስን ቤት ፅሕፈት ምንስቴር ጉዳያት ወፃእን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣስሚዖም።ዝርዝሩ የድምፁ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:36 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG