ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ለውጢ ኩነታት ኣየር ፈተና ኮይኑሉ' ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሣለኝ


አቶ ኃይለማርያም ደሣለኝ
አቶ ኃይለማርያም ደሣለኝ

ኣብ ውሕስነት ምግብን ከባቢዊያ ሓለዋን ኣተኲሩ ትማሊ ሰኒ ኣብዝተኻየደ መድረኽ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ቀረባ ኣብ ኢዃተሪያል ግኒ ዝተራኸቡ መራሕቲ ቅድሚ 10 ዓመታት ዝተጀመረ ናይ ኣፍሪካ ልምዓት ሕርሻ ሓፈሻዊ መርሃ ግብሪ ንምፍታሽ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ እውን ስርዓት ሕርሻ ዘመናዊ ንምግባር ሃገራት ወሲነን ክምርሓሉ ከምዝፀንሓ እውን ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እቲ ገምጋም እውን ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ሕርሻ ንናይ ኣፍሪካ ዕብየት ቀንዲ ኣንቀሳቐሲ ሞተር ኮይኑ ከምዝቕፅልን ህይወት መብዛሕቲኦም ኣፍሪካዊያን ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ዝተመስረተ ምዃኑን ኣረጋጊፅና ኣለና ኢሎም።እንትወሓደ ንዝቕፅሉ 10 ዓመታት እውን ኣብ ሕርሻ ክነተኩር ከምዘለና ተገንዚብና ኣለና ኢሎም ብምቕፃል።

ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ዓብዪ ፈተና ከምዝኾነ ኣቶ ሃይለማሪያም ብምግላፅ በዚ ምኽንያት እውን ኣብ ሓድ ሓደ ሃገራት ብፅሒት ሕርሻ ካብ ሓፈሻዊ ምህርቲ ናብ 4 ሚእታዊ ምውራዱ ሓቢሮም።

ኩነታት ለውጢ ኣየር ንመራሕቲ ኣፍሪካ ኣዝዩ ቁልፊ ጉዳይ ብምዃኑ ጭቡጣት ሸቶታት ምቕማጥ ከምዝግባእ ብምብሕባር ካብቲ ካሊእ ዓለም ዝደልዩዎ ከምዚ ኢሎም።

ድልውነት ኣለና።ድልውነትና ናብ ተግባር ንምቕያት ግን ውስኑነት ዓቕሚ ኣለና።ስለዚ ንለውጢ ኩነታት ኣየር ንምግጣም ዘድሊ ዓቕምና ንምህናፅ ሓገዝ መንግስትን ህዝብን ዩናይትድ ስቴትስ የድልየና እዩ ኢሎም።

ኣፍሪካ ካብ ዓለም 60 ምእታዊ ተሓራሲ መሬት ከምዘለዋ ብምሕባር ሰብ ሃብቲ ናብ ኣፍሪካ ብምምፃእ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍሱ ፀዊዖም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

XS
SM
MD
LG