ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/መ ንፈለማ ጊዜ መደረ ዘስምዑ ምኽትል ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ጉዳይ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ፀጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሶማልያ፣ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ከምኡውን ውግእ ፀረ-ፈጠርቲ ራዕዲ ጠቂሶም።
ኢትዮዽያ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ምስ ኢጋድ ሓቢራ ትዕወት ከምዘላ ዝጠቀሱ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣እቲ ካልኣይ ንኢትዮዽያ ዘገድሳ መደብ ምስ ለውጢ ኣየር ተደሪቡ ዝኽሰት ሓደጋ ደርቂ ምኻኑ ጠቂሶም።
ብዛዕባ ኣፍሪቃ ክዛረቡ ከለው፣ኣፍሪቃ ከምተመፅዋቲት ኣህጉር ክትራኣይ የብላን፣ኣፍሪቃ ወናኒት ሰፊሕ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት፣ሓይሊ ሰብን ክእለትን እያ።ስለዚ ኣፍሪቃ ንፀጋታታ ንክትምዝምዝ፣ናይ ቱሪዝም፣ኢንቨስትመንት፣ ስግግር ቴክኖሎጂን ኣብ ውድብ ንግዲ ዓለም ግቡእ ሓገዝ ክግበረላ ፀዊዖም።
ምክትል ቀ/ሚ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/መ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ ፀገማት ሰላምን ህድኣትን‘ዮም ኢሎም ነይሮም።ተንተንቲ ግና ምሩፅ ምሕደራ፣ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ዘይምንጋሶም‘ዩ ይብሉ።
"ቅድሚ ኩሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፀገም ፀጥታን ምርግጋእን ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ጉዳይ ሶማልያ ፀገም ዓለም ኮይኑ‘ሎ።ምስ ደቡብ ሱዳን ናፃ ምውፃእ፣ሓቢሩ ፀገም ኮርዶፋን ብሉ ናይልን፣ከምኡውን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ‘ዚ ዞባ‘ዚ ይፈጥሮ ዘሎ ፀገም ንፁር‘ዩ።ቃፊር ሕ/መ ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርት፣መንግስቲ ኤርትራ ካብ ካምፓላ ክሳብ ናይሮቢ፣ደቡብ ሱዳንን ጂቡቲን ከምኡውን ኣብ ሶማልያ ንኣል-ሸባብ ይድግፍ፣ንኣዲስ- ኣበባ ከምባቅዳድ ከምስላ ፈተነ ከምዝገበረ ጠቂሱ‘ዩ" ኢሎም።
ዋሲኾም "ብዛዕባ ዴሞክራስን ሰናይ ምሕደራን ብዛዕባ ናይ ኢትዮዽያ ክዛረብ እንተኾይነ ናይ ኢትዮዽያ ህንፀት ዴሞክራሲ ይምዕብል አሎ።እቲ ህንፀት ተጀሚሩ‘ሎ ክቅፅል‘ውን‘ዩ።ምኽንያቱ ኢትዮዽያ ኣልቦ-ዴሞክራሲ ኮይኑ ክትረጋጋእን ክትቅፅልን ትኽእል ሃገር ኣይኮነትን።ምሩፅ ምሕደራ‘ውን እንተኾነ ውሱን ፀገም ኣለዎ።ግን እናተማሓየሸ‘ዩ ይመፅእ ዘሎ" ይብሉ።
ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ መደረ ሕ/መ፣ኣብ ውግእ ፀረ-ግብረ-ሸበራ ዝተፈላለየ ሚዛን ኣብ ጥቅሚ ይውዕል‘ሎ ኢሎም ነይሮም።እንታይ ክብሉ እዮም ደልዮም? ኢልናዮም ክምልሱ ከለው ”ኣብ ሓደ እዋን ኢትዮዽያ ነቲ ሎሚ ኣል-ሸባብ ዝባሃል ናይ ቀደም ኣል-ኢትሃድ እንተኺኢላ ትድምስስ እንተዘይኪኢላ ትከላኸል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንሃገራዊ ድሕነታ ሓደጋ‘ዮም ኢላ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ ክትብል ከላ ሰማዒ ኣይረኸበትን፣ ዳሓር ግና እዞም ውድባት ካብ ኢትዮዽያ ሓሊፎም ንሃብታማት ሃገራት ምጥቃዕ ምስጀመሩ ፈጠርቲ ራዕዲ ክባሃሉ ጀሚሮም ኢሎም።
"ቅድሚ ኩሉ ሕጊ ፀረ-ፈጠራ-ራዕዲ፣ንፈጠርቲ ራዕዲ‘ምበር ንተቃወምቲ ተባሂሉ ኣይኮነን ወፂኡ።ህዝብታት ሓንቲ ሃገር ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ክምለሱ መንግስቲ ሓላፍነት ኣለዎ፣ኣብ ኢትዮዽያ ዝወፀ ሕጊ ምስ‘ቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝወፀ ሕጊ ፀረ-ፈጠራ-ራዕዲ ዝመሳሰል‘ዩ።ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝወፅእ ሕጊ ክትግበር፣ንሕና ዘውፃእናዮ ስለዝኾነ ግና ዘይትግበር ገይርካ ምርኣይ ግቡእ ኣይኮነን" ይብሉ።
"ዒላማ ሕጊ ፈጠራ ራዕዲ ኢትዮዽያ፣ሰላም‘ታ ሃገር ንምሕላው፣ልምዓትና ንከይተዓናቀፍን ፈጠራ ራዕዲ ንምክልኻልን ደራኺ‘ዩ።ስለዚ ብሕጋዊ ኣገባብ ክንቀሳቀስ ዝመረፀ ተቃዋሚ፣እዚ ሕጊ‘ዚ ኣይምልከቶን፣ነገር ግን ኣብ ሕቁፊ ተቃወምቲ ተከዊሎም፣ምስ ፈጠርቲ ራዕዲ ርክብ ዘለዎምን ናብ ስራሕ ዝዋፈርን ወገን ኣሎ እንተኾይኑ ግና፣ብሕጊ ክሕተት‘ዩ፣ቃወምቲ ምስ ፈጠራ ራዕዲ ርክብ ዘለዎም ሰባት ካብ ሞንጎኦም ፀሪጎም ከውፅኡ ኣለዎም።ካብኡ ሓሊፎም ክሰግኡ ኣይግባእን" ኢሎም።
ኣብ ሕቁፊ ተቃወምቲ ተከዊሎም፣ምስ ፈጠርቲ ራዕዲ ርክብ ዘለዎም ብሕጊ ጸረ-ፈጠራ ራዕዲ ክሕተቱ`ዮም ኢሎም