ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ 'ዴሞክራሲያዊ፣ፍትሓዊን ሰላማዊን ምርጫ ተሳሊጡ' ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

ሎም-ዘበን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሳለጠ ምርጫ 'ዲሞክራሲያዊ ፍትሓዊን ስላማዊን ኮይኑ ተዛዚሙ' ኢሎም ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ቀሪቦም መግለፂ ዝሃቡ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ።

‘ዲሞክራሲያዊ፣ፍትሓዊን ሰላማዊን ምርጫ ተሳሊጡ’ሎ።ካልኦት እንታይ በሉ? ብዙሕ ኣየሻቅለናን።እቲ ንሕና ዘሻቅለና፣ህዝቢ እንታይ በለ ዝብል’ዩ’ ኢሎም

እቶም ቀ/ሚ ብዛዕባ ተቃወምቲ ፓርቲታት ኣልዒሎም ክዛረቡ ከለው፣ ቅድሚ ኩሉ እዞም ተቃወምቲ ኣብ ስልጡን፣ሕጋዊን ሰላማዊን ኣገባብ ዝኣምኑን ሓቢሮም ንምስራሕ ዝመረፁን ክኾኑ ይግባእ። መበዛሕተኦም ተቃወምቲ ነዚ ኣገባብ’ዚ ዘቀደሙ’ዮም ኢሎም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ናይ ሓድሽ ዓመት ሃገራዊ በጀት 223 ቢልዮን ቅርሺ ንክኸውን ወሲኑ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:10 0:00

XS
SM
MD
LG