ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምስ ሚድያታት ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፣ ዳግም ንኤርትራ ኣጠንቂቆም


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሚድያታት ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ተሓባቢሩ ንምስራሕ ቅሩብ ከምዝኾነ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

ሚድያታት ‘ብሓላፍነታዊ መንፈስ ክሳብ ዝሰርሓ፣ኩላትና ተረባሕቲ ኢና ንኸውን። መንግስታዊ ሓለፍቲ ንሚድያታት ንፁር ሓበሬታ ናይ ምልጋስ፣ ሚድያታት ድማ፣ ከየዛብዑ ሓበሬታ ንህዝቢ ክገልፁ ይግባእ’ ኢሎም።

መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ’ውን ሕምስምስ ካብ ምፍጣር ኣይተቆተበን ዘሎ ይብሉ ንሶም።

ተግባር መንግስቲ ኤርትራ ክሃስየና’ዩ ኢልና ኣብ ዝኣመናሉ እዋን ክንውደኦ ኢና። እቲ መንግስቲ እንተፀንሐ ኣይሃስየናን ኢልና እንተኣሚና ድማ ኣይንትንክፎን ኢና’ ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ ኢትዮጵያ ምስ ገዛኢን ተቃዋሚን ወገን ደቡብ ሱዳን ፀግዒ ከይሓዘት ሓላፍነታ ከምዝፈፀመት ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG