ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀብፃብ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያን ደሳለኝ ንፓርላማ ኢትዮጵያ


ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፓርላማ ኢትዮጵያ

ፈላማይ መንግስታዊ መደባት 5 ዓመታት ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ኢትዮጵያ ንክዛዘም ዳርጋ ፍርቂ ዓመት ጥራሕ’ተሪፉዎ። ቅድሚ ትማሊ ንፓርላማ ሃገሮም ዓመታዊ ሪፖርት ዘቕረቡ ቀ/ሃይለማርያም ደሳለኝ “መሊኦም ዘይተፈፀሙ መደባት ስለምንታይ ከምዘይፈፀሙ ዝግምገምሉ እቶም ዝተፈፀሙ ድማ ንዝያዳ ስራሕ ዘቀራርቡና ኮይኖም ኣለው” ኢሎም።

እዘን ዝሓለፋ 4 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ስሉጥ ምዕባለ ዝተመዝገበለን ኮይነን’የን ሓሊፈን ዝበሉ እቶም ዳማይ ሚንስቴር፡ሎም-ዘበን ቁጠባ ኢትዮጵያ ብ10.3 ሚእታዊ ስለዝዓበየ፡ካብ 2003 – 2006 ዓ/ም 10.1 ሓፈሻዊ ዕብየት ከምዝተመዝገበ ጠቒሶም።

ብመንፅር ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ፀጥታን ኢሎም ንሶም፡ምስ ናይ ቀረባን ርሑቅን ሃገራት ብምትሕብባር ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ረብሓ ንምርግጋፅ ስራሕቲ ተዓዮም’ዮም ኢሎም።ኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ፡ኬንያ፡ደቡብ ሱዳን ሶማልያ፡ኡጋንዳ፡ግብፂ፡ኣሜሪካ፡ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ንዘሎ ርክብ ኣጉሊሆም ኣለው።

ምስ ግብፂ ንዝተፈጠረ ርክብ ኣመልኪቶም ክዛረቡ ከለው፡ብምኽንያት ግድብ ህዳሴ ንዘሎና ርክብ ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት ከምዝተገብሩ ምስ ገለፁ እቲ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ክቅፅል’ኢሎም።

‘’መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዞባ’ኣተራሚስካ ተባሂሉ ንዝተነበረሉ ማዕቀብ ንክላዓለሉ ወይ ፉኽስ ንክብለሉ ዝላዓለ ፃዕሪታት እንተገበረ’ኳ’’ ኢሎም ንሶም ‘’ዝሓለፈ ጥቅምቲ እቲ ማዕቀብ ንክቕፅል ተወሲኑ’ዩ።እቲ ውሳነ፡መንግስቲ ኤርትራ ለውጢ ናይ ባህርይ ከምዘየምፅአን ካብ’ዝባኣሰ ንኣዕናዊ ተግባራቱ ጉጅለታት ፈጠራ ራዕዲ ብምውፋር ከምዝቐፀለሉ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝተረደአ ምዃኑ ሓባሪ’ዩ።ነዚ ዞባ’ምሕማስ ክሳብ ዘቋርፅ እቲ ማዕቀብ ሓይሉ ንክትግበር ኣድላዪ ዘበለ ስራሕ ክቅፅል’ዩ’’ኢሎም።

መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምህዋኽ ንዝፍንዎ ሕድ-ሕድ ፈተነ እኹልን ተመጣጣኒን መልሰ-ግብሪ ብምሃብ፡ሎሚ’ውን ነቲ ንሰላም ዝዘርጋሕናሉ ኢድና ተቐቢሉ ንኣፈላላያትና ኣብ ዙርያ ሰደቃ ንክንፍርትሖ መፀዋዕታ ነቅርብ ኣለና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ።

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብዚ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፀብፃቦም ህዝቢ ኢትዮጵያ ንመፃኢ ዕድል’ሃገር ኣብ ዝውስን ምርጫ ንኽሳተፍ ዘኽእሎ ምዝገባ መረፅቲ ዝተሳተፉሉ ኣገባብ ዝናኣድ ምኻኑን፡እቲ ምርጫ እቲ መስርሕ ሰላማዊ ኮይኑ ንክዛዘም ከምባዓል ዋኒን ኮይኑ ንኸድምፅ ፀዊዖም።

ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ እውን ሕቶታት ቐሪቦም ነይሮም።ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከይንዳነ በሪ ዓፂኹምዎ ኢሎም ብሕታዊ ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲ ኣቶ ግርማ ሰይፉ።ንዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:49 0:00

XS
SM
MD
LG