ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንክትግበር ብኢጋድ ዝቀረበሉ መፀዋዕታ ይሰርሓሉ ኣሎ፣ጊዚኡ ሓልዩ ክውሰን‘ዩ ኢሎም ም/ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ።ምንስቲራት ኣባል ሃገራት ኢጋድ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ብሓባርን ብውልቀን ከምዝተዘራረቡን‘ውን ጠቂሶም።
ኣብ ማላቡ - ኢኳቶርያል ጊኒ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝመርሕዎ ኣኼባ ምንስቲራት ኢጋድ፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ማዕቀብ ቁጠባ ንክትግበር ክሰማማዕ ከሎ፣እቲ ረቂቅ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰየመ ዋዕላ መራሕቲ ኢጋድ ፀዲቁ‘ዩ።ብመሰረት‘ዚ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ናይ ኤርትራ ዘፈር ዕደና ወርቅን ካብ ዳያስፖራ ዝላኣኽ ክልተ ሚእታዊ ግብሪ እገዳ ንክንበር ትሰርሑ ከምዝነበረ ዝፍለጥ‘ዩ።
”ምንስቲራት ኢጋድ ኣብ ማላቦ ዝወሰንዎ፣መራሕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ኣፅዲቆምዎ‘ዮም።ኢጋድ እንደገና ካልእ ጊዜ ተኣኪቡ፣እቲ ማዕቀብ ቀልጢፉ ንክውሰን ዝፅውዕ ደብዳቤ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ልኢኹ‘ዩ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብወገኑ ይሰርሐሉ‘ሎ።ከምትፈልጦ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝሕዞ ኣጀንዳ ቀስ ኢሉ‘ዩ ናብ መደምደምታ ዝበፅሕ።ስለዚ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ዘቅረብናሉ ፃውዒት ተቀቢሉ፣ናብ ውሳነ ክበፅሕ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎና” ኢሎም።
እቲ ብኢጋድ ዝተወጠነ ማዕቀብ ንህዝቢ ክሃስይ‘ዩ ዝብሉ ኤርትራውያን ኣለው።እንታይ መልሲ ኣለዎም ንዝብል ሕቶ ኣቶ ሃይለማርያም ክምልሱ ከለው ”እዚ ይዕየየሉ ዘሎ፣ ማዕቀብ ነቲ ናብ ነብሰ-ወከፍ ኤርትራውያን ስድራ-ቤታት ዝላኣኽ ገንዘብ ዒላማ ዘይገብር ምኻኑ‘ዩ።እቲ ማዕቀብ ዒላማ ዝገብሮ፣ኣብ ወፃኢ ዝቅመጡ ኤርትራውያን ንዝሕተትዎ ክልተ ሚእታዊ ግብሪ‘ዩ።ሪፖርት ቃፊር ሕ/መ ከምዝገለፆ፣እዚ ግብሪ‘ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝርበሐሉ ግብሪ ኣይኮነን” ኢሎም።
”ካብ መሸጣ መዓድናት ዝእከብ ገንዘብ፣ናብ ኤርትራ ከይተመልሰ ኣብ ወፃኢ ተሪፉ ኣብ ምፍፃም ግብረ-ሸበራ‘ዩ ይውዕል ነይሩ።እዚ ገንዘብ‘ዚ ኣብ ምዝራግ‘ቲ ዞባ ኣብ ጥፍኣት ንከይውዕል ይተኣገድ ኢና ንብል ዘለና። ኣብ ከይዲ፣ካብ ተመክሮ ዝማሃሩሉ ኩነታት እንተሃልዩ ቀስ እናበልካ እቲ ማዕቀብ ዝፈኹሰሉ መስርሕ ይሃሉ ኢና ንብል ዘለና” እውን ኢሎም።
”መራሕቲ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ክምለሱ እንተኾይኖም፣ክሳብ ሎሚ ይፍፅምዎ ዝነበረ ጌጋ፣ነቲ ዞባ ንምህዋኽ ዝስዕብዎ ዝነበረ ኣንፈት፣ሙሉእ ንሙሉእ ኣቋሪፅናዮ‘ለና።ደጊም ይቅረ በሉልና።ምሳኻትኩም ሓቢርና ክንሰርሕ ቅሩባት ኢና ክብሉ ይግባእ” ይብሉ ምክትል ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ።
ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንክትምለስ ዘኽእላ ቅድመ-ኩነት ኣቐሚጦም