ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ መደረታት ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ


ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ

* ኣፍሪቃ ትላዓል ዘላ ኣህጉር፣ኣህጉረ ኢንቨስትመንትን ንግድን ኮይና‘ላ።
ከም ሃገረይ ኢትዮዽያ ሓዊሱ፣ኣብ ምዕዋት ምለንየማዊ ሸቶታት ርኡይ ኣዎንታታት ተመዝጊቡ‘ሎ።እንተኾነ ኣብ ምንካይ ሞት ኣደታት ጉድለት ኣለና።ስለዚ ኣጀንዳታት ስግር ምለንየማዊ ሸቶ ኣልዒልና ክንዝቲ ግድን‘ዩ ኢሎም።

* ብወገና ክሳብ ንዓመታ ብደረጃ ዓለም ንክትግበር ንዝተወጠነ ውዕል ክንክን ከባቢን ዓለማዊ ዋዒ ትሕቲ ክልተ ዲግሪ ሴንቲግሬድ ንክሕፀርን ንሰርሕ‘ለና ዝበሉ እቶም ቀ/ሚ፣ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ኣኼባ ኩነታት ኣየር ስለዝፀውዑ ኣመስጊኖም፣እንተኾነ ኣብ ሸቶ ንምብፃሕ ንጅሙር መደባት ንክቅፅሉ ክደፍኡሉ‘ዮም ዝብል እምነት ኣለኒ በሉ።

* ኣብ ዞባና ንዘበናት ዝሰራሕናሉ መደባት፣ብዘየቋርፅ ግጭታትን ህውከትን ይሽርሸር‘ሎ።ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ሓደ ኣብነት‘ዩ።ኣባል ሃገራት ኢጋድ ደገፍ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተወሲኹሉ፣ ነቲ ቅልውላው ብሰላማዊ ኣገባብ ንምድቃስ ዝካኣለና ንሰርሕ‘ለና።እንተኾነ ይትረፍ‘ዶ ዛዛሚ ውዕል ክእሰር፣ምዕይ ክብል ኣይካኣለን።ተፃባእቲ ሓይልታት ተገዳስነት እንተዘይሃልዩዎም፣መስርሕ ሰላም ክስጉም ኣይኽእልን።ኢጋድ እንተኾነ መዕለቢ ክሳብ ዝርከብ ዝካኣሎ ክገብር‘ዩ።

* ንዳግመ ህንፀትን ሶማልያ ክሳብ ድሕሪ ክልተ ዓመት እዋን ስግግር ትትግብርን ክንሕግዝን ክንረባረብን ኣለና።ግጭት ዕጫ ኣፍሪቃ ጥራሕ ኣይኮነን።ጋህዲ እናኾነ ይመፅእ ዘሎ ሻቅሎት፣ዓለም-ለኸ ስግኣት ፀጥታ ክሳዕ ክንደይ ሓባራዊ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ‘ዩ።ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናት፣ስግኣት ፀጥታ ከም‘ዚ ናይ‘ዚ መዋእል‘ዚ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ስግኣት ፈጠራ ራዕዲ ንሰፊሕ ከባቢታ ከቢድ ስግኣት ኮይኑ‘ሎ።

ሙሉእ ሪፖርት ኣብ መርበብ ሓበሬታና ኣቲኹም ኣዳምጹ

XS
SM
MD
LG