ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዜግነት ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ምኳኑ ሕ/ሃ ገሊፁ


Haile M.
Haile M.
ኣቶ ሃይለ መንቆሬዎስ፣ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብደረጃ ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ኮይኖም ንክሰርሑ ተመዚዞም።

ምኽትል ወሃቢ-ቃል ሕ/ሃ ኤድወርድ ደል ብወይ፣ንኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዜግነት ዝሓዙ ኢሎም‘ዮም ገሊፆምዎም።ሚስተር ዴል ኣብ መግለፂኦም”ኣቶ ሃይለ ኤርትራዊ ተባሂሎም ይግለፁ ስለዝነበረ፣እዚ ዜና‘ዚ ንብሓት ዘገረመ ኮይኑ‘ሎ” ኢሎም።

ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ፣ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ኢትዮዽያን ኮይኖም ከምዘገልገሉ ዝዝከር‘ዩ።ኣብ 2002 ሰራሕተኛ ሕ/ሃ ቅድሚ ምኳኖም፣ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሕ/ሃ ነይሮም።

ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ፣ንሪፖርተራት ዘይምዝራብ ፖሊሲ ኣለዎም።ቪኦኤ ንዘቅረበሎም ሕቶ ቃለ-ምልልስ‘ውን ኣይተቀበልዎን።ግን ምንጭታት ሕ/ሃ ንቪኦኤ ከምዝበልዎ፣ኣቶ ሃይለ ዜግነቶም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቀየሩ ቅድሚ ዓመታት‘ዩ።ምኽንያቱ ግና ኣይጠቀሱን።

ግን ከምመጠን ምኩር ዲፕሎማት፣ኣቶ ሃይለ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮዽያን ናይ ቀረባ ርክብ ኣለዎም።ኣብ‘ቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ነዊሕ ኣብ ዝፀንሐ ምስሕሓብ ክልቲኤን ሃገራት፣ሞንጎኛ ኮይኖም ክራኣዩ ድልየት ኣለኒ ኢሎም ይባሃል።

ከምልኡኽ ሕ/ሃ፣መደብሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ዩ።ንሶም፣ኣብ ዝተፈላለየ መዝነትን ሓላፍነትን ዝሰርሑን፣ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ንዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ወኪሎም ንጉዳይ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ይከታተሉ‘ለው።

ኣብ 1946 ዓም ኣውሮዻ ዝተወለዱ ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ፣ካብ ዩኒቨርስቲ ብራንድስ ኣሜሪካ ብባችለር ዲግሪ፣ካብ ዩኒቨርስቲ ሃርቨርድ ኣሜሪካ ድማ ማስተርስ ዲግሪ ተቀቢሎም‘ዮም።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:33 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG