ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጉስ ነዊሕ ርሕቀት ሃይለ ገ/ስላሴ ተሰናቢቱ!


ሃይለ ገ/ስላሴ
ሃይለ ገ/ስላሴ

ኣብ መድረኽ ኣትሌትክስ ዓለም ግኑን ስም ዝሓዘን ንጉስ ነዊሕ ርሕቀትን ተባሂሉ ዝፅዋዕን ኣትለት ሃይለ ገብረስላሴ፣ድሕሪ ኣብ ዓብዪ ውድድር ማንቸስተር ምስታፉ፣ደጊም ሜዳልያ ንክዕወት ኢለ ኣብ ውድድር ጉያ ኣይሳትፍን ይብል።

ሃይለ ገብረስላሴ ኣብ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዘበን ውድድራት ኣብ ክልተ ኦሎምፒካት ብ10 ሽሕ 2 ሜዳልያታት ወርቂ፣9 ኣውርቕቲ ኣብ መድረኽ ውድድራት ዓለም-ለኸ ኣትለትክስ፣15 ጊዜ ክብረ ወሰን ኣማሓይሹ ዝተዓወተ ኮኸብ ኣትሌት’ዩ።

‘ሓቂ’ዩ ንሜዳልያ ኢልካ ኣብ ውድድራት ካብ ምስታፍ ይርሕቅ ኣለኹ፣ግን ካብ ጉያ ኣይሃደምኩን። ህይወተይ ስለዝኾነ ካብ ምጉያይ ዓዲ ኣይውዕልን’ ይብል ሃይለ።

XS
SM
MD
LG