ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ሃድያ ልዕሊ 30 መንእሰያት ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ክብሉ ነበርቲ ይገልጹ፥ ሰብ-መዚ ግን ነዚ ይነጽጉ


ሀዋሳ
ሀዋሳ

ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዞባ ሃዲያ ልዕሊ 30 ሰባት ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ኣለው ክብሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

እቶም መናእሰይ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ሆሳእና፤ ሾኔን ጎንቦራን ዝተኣሰሩ ክኾኑ ከለው ናይ ሃድያ ዞን ሰላምን ጸጥታን ክፍሊ ኣብቲ ከባቢ ግጭት ዕግርግርን ክለዓል ዝፈጠሩ ተጠርጠርቲ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ኣለው ኢሉ። ሓላፊ'ቲ ናይ ሰላምን ጸጥታን ክፍሊ ኣቶ ሳሙኤል ሽጉጤ ካብቶም ዝድለዩ ዝነበሩ 37 ምእሳሮምን 13 ድማ ምፍትሖምን ሓቢሮም ኣለው።

ምእሳር እቶም ሰባት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሓበሩ ሓደ መንነቶም ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ክግለጽ ዘይደለዩ ውልቀሰብ እቶም ሰባት ኣብቲ ዞባ ኣሎ ንዝበልዎ ዝተበላሸወ ኣመራርሓ ብፍላይ ድማ ኣድልዎ ዝነቅፉ ንማዕርነትን ፍትሓዊነት ክሰፍን ዝሰርሑ ተሓታትነት ክሕልው ዝገልጽ ጽሑፋት ዘዘርግሑ'ዮም ክብሉ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ፕረዚደንት ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ኣቶ እንዳሻው ጣሰው ቕድሚ ክልተ ሰሙናት ንሃድያ ዞን ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ሰብ-መዚ መንግስቲ ስርሖም ከይሰርሑ ዕንቅፋት ዝኾኑ ዝበልዎም 276 መንእሰያት ከምዝተለለዩን ገለ'ውን ምእሳሮም ምግላጾም ይዝከር።

ካብ መንጎ እቶም ዝተኣሰሩ ወናኒን መስራትን ሃዲያ ሚዲያ ሃውስ ዝኾነን ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋቻሞ መምህር ኣንትሮፖሎጂን መለስ ኣብርሃም ከምዝርከብዎም ነበርቲ ሓቢሮም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG