ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊን ሃይማኖታውን መራሕቲ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ንዝተፈፀመ ዕንወት ኮኒኖም


ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ምዕራብ ኣርሲን ከተማ ሻሸመኔን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረት ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዋና ኣመሓዳሪ ክልል ሲዳማ፣ምኽትል ከንቲባ ሃዋሳን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲ ክልል ደቡብን ኮኒኖም ።

ናይ ሲዳማ ክልል ርእሰ ኣማሓዳሪ ኣቶ ደሳለ ደሞ፣ናይ ሃዋሳ ከተማ ምኽትል ከንቲባ ኣቶ ጥራቱ በየነን ዓበይቲ ዓዲ ሲዳማን ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ተረኺቦም ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኮኒኖም።ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሻሸመኔ ዝወረደ ጉድኣትን ሓዘንን ናትና እዩ ዝበሉ እዞም ኣካላት ነታ ከተማ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፉ ተዛሪቦም።

ኣብ ምዕራብ ኣሩሲ ከተማ ሻሸመኔ ዝተፈፀመ ዘሕፍር ተግባር ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ናይ ዝንቀሳቐሱ ተግባራት ውዲት እዩ ኢሎም ናይ ሲዳማ ክልል ፕሬዝዳንት ኣቶ ደሳለ ደሞ።መንግስቲ ንቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ስራሕ ምጅማሩ ምስ ገለፁ ንሻሸመኔ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ ከምዝድግፍ ገሊፆም።

ምኽትል ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ኣቶ ጥራቱ በየነ ኣብ ልዕሊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሉ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እዩ ኢሎም።ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ይሰርሕዎ ዘለው ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ንምስንኻል ዝተሰርሐ ግብረ እከይን ነንሕድ ሕድና ንምንኻስ ዝተዋደደ ፃዕሪን ምዃኑ ኩሉ ክግንዘቦ ኣለዎ ኢሎም ኣቶ ጥራቱ።

ተወከልቲ ኩሎም ሃይማኖታት ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ተረኺቦም ነቲ ተግባር ዘውገዙ ክኾኑ ከለው መናእሰይ ከምዚ ዝበለ ዕንውት ካብ ምውራድ ክቑጠቡ ኣለዎም ኢሎም።ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም ብዝተፈጥረ ቁፅሪ ካሊእ ዝኸፍአ ጉድኣት እናውረድና ናይ ንፁሃን ደም ምፍሳስ ፍፁም ኣየድልን ኢሎም እዞም መራሕቲ ሃይማኖት።

ብኻሊእ ወገን ናይ ብልፅግና ፓርቲ ኣባል ኣመራርሓ ኦሮሚያ ኣቶ ጌቱ ወያሳ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ፀላእቲ ብዝበሉዎም ዝተፈፀመ ሃገር ናይ ምፍራስ ዕላማ ዘለዎ ክፉእ ተግባር እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ንገበነኛታት ናብ ሕጊ ኣቕሪቡ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ዝጀመሮ ስራሕ ከምዝቕፀል ተዛሪቦም ኣለው ኣቶ ጌቱ።

ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣባ ገዳ ቡልቻ ጉታ ኣብታ ከተማ ዝወረደ ጉድኣት ናትና ጉድኣት እዩ እቲ ሓዘን እውን ናትና እዩ ኢልኩም መፂኢኹም ስለዝሓተትኩምና ብኣጋርነትኩም ሕጉሳት ኢና ኢሎም።

ኣብ ከተማ ሻሸመኔ መብዛሕቲኦም ንግድታት ተዓፂዮም ዘለው እንተኾኑ እውን ናብ ስሩዕ ይምለስ ዘሎ ይመስል።ኣንፃራዊ ሰላም እውን ሰፊኑ ኣሎ።ካብ ናይ ሻሸመኔ መጥቓዕቲ ኣሚሊጦም ዝሃደሙ ነበርቲ ናይታ ከተማ ኣብ ሃዋሳ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ዘመድ ኣዝማድ ተፀጊዖም ተዓዚበ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ መሳርሕትና ዮናታን ዘብዲዮስ።

ብኻሊእ ዜና ናይ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝኽሪ ኣብ ኣዲስ ሸራተን ሆቴል ዝሓለፈ ቐዳም ተኻይዱ።ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ብሓባር ኣብዘዳልውዎ ስነስርዓት ዝኽሪ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ፈፂሞም ኣለው።

ገላን ኮንዶሚኒየም ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ከባቢ ህይወቱ ዝሓለፈሉ ስለዝኾነ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብሽሙ ተፀዊዑ ኣሎ።ኣብ ከባቢ ኣራት ኪሎ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ፓርክ እውን ሃጫሉ ፓርክ ተባሂሉ ኣሎ።ኣብዚ ፓርክ እዚ ሓውልቲ ንምስራሕ ብኣቶ ታከለ ኡማን ሽመልስ ኣብዲሳን እምነ ኩርናዕ ተነቢሩሉ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ቀዳም ምሸት ስነስርዓት ምብራህ ሽምዓ ተኻይዱ ኣሎ።ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ታከለ ኡማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሃጫሉ ናይ ጅግንነት ምልክትን ህይወቱ ንህዝቢ ዝነበረን እዩ ኢሎም።

‘’ብዙሕ ሰብ ክንሓዝን ድልየት ኣለዎ።ንሕና ግን ኣይንሓዝንን፤ክሳብ ሎሚ ዝነባዕናዮ ይኣኽልና’’ ኢሎም ኣቶ ታከለ።

ሃገርና ኢትዮጵያ ብብዙሕ መስዋእቲ ኣብዚ በፂሓ ኣላ፤ንኹልና እትኣክልን ትኸውንን ሃገር ምህናፅና ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣቶ ታከለ ብምውሳኽ።

ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ሙዚቀኛ ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ነፃነት ተቓላሳይ እዩ ዝበሉ ድማ ናይ ኦሮሚያ ምኽትል ርእሰ ኣማሓዳሪ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ እዮም።

‘’ሃጫሉ ጅግና፣ብሩህ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ እዩ።ጫፍ ዝነበረ ፖለቲካ ናብ ማእኸል ክመፅእ ዝገበረ ነዊሕ ዓመት ዝወሰደ ቓልሲ ናብ መዕለቢኡ ክበፅሕ ዝገበረ ጅግና እዩ’’ ክብሉ ገሊፆምዎ።

ወላዲኡ ንሃጫሉ ኣቶ ሁንዴሳ ጎምሳ ሃጫሉ ናተይ ውላድ ጥራሕ ኣይኮነን ወዲ ህዝቢ እዩ ኩላትና ኢና ቐቢፅናዮ ቅልጡፍ ፍትሒ ኣምፅእሉ ክብሉ ሓቲቶም።

ኣብቲ ስነስርዓት ብዓልቲ ቤቱ፣ናይ ሙያ መሓዙቱን ዝተፈላለዩ ክፍላት ማሕበረሰብ ተሳቲፎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG