ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥርጡር ‘ነጋዳይ ዝውውር ሰባት’ ሃብቶም መርሃይ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ


DOJ
DOJ
ኤርትራዊ መቦቆል ዘለዎ እንግሊዛዊ ሃብቶም መርሃይ፣ብገበን ንግዲ ሰባት ተጠርጢሩ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ቤት ፍርዲ ዋሽንግተን ዲሲ ቀሪቡ።

ተኸሳሳይ ሃብቶም መርሃይ ብሕልፊ ንኤርትራውያንን ኢትዮዽያውያንን ብዱባይ፣ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ፣ደቡብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ኣሜሪካን ኣቢሉ ናብ ኣሜሪካ ካብ ሕጊ ወፃኢ ንክሰግሩ ይሰርሕ ነይሩ ተባሂሉ‘ዩ ተታሒዙ።

47 ዓመት ዝዕድሚኡ ሃብቶም መርሃይ፣ናብ ኣሜሪካ ተታሒዙ ዝመፀ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት‘ዩ።ንሱ ኣብ ሞሮኮ ዓሚ ተኣሲሩ ናብ ኣሜሪካ ሓሊፉ ኣብ ዝዋሃበሉ መስርሕ ፀኒሑ።

ሃብቶም ብሓደ ዘይሕጋዊ መኽሰብ ሰባት ናብ ኣሜሪካ ንክኣትው ውዲት ፈፂሙ ከምኡውን ሕጋዊ ፈቃድ ዘይረኸቡ ሰባት ናብ ኣሜሪካ ንክኣትው ገይሩ‘ዩ ብዝብሉ 15 ክሲታት ተሓታቲ ኮይኑ‘ሎ።

ሃብቶም ንሓደ ሰብ ናብ ኣሜሪካ ንምእታው 15 ሽሕ ዶላር ይቅበል ከምዝነበረ፣እቶም ካብ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ዘይሕጋዊ መንገደኛታት ኣብ ዱባይ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ዝሓድርሉ ስፍራ የዳልወሎምን ነይሩ።

ኣብ‘ዚ መዝገብ ክሲ ዝቀረቡ ነጥቢታት ክስታት‘ምበር ዝተረጋገፁ ኣይኮኑን። ሃብቶም መርሃይ ድማ ክሳብ ብፍርዲ ዘይተበየኖ፣ገበነኛ ኣይኮነን።
XS
SM
MD
LG