ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ንሳልሳይ ዓመት ከተካይዶ ዝወጠነት ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሴ ዘለዋ ተቓውሞ ገሊጻ


ፋይል
ፋይል

ግብጺ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሃገራት ታሕተዎት ተፋሰስ ፈለግ ኒል ኣብ ስምምዕ ከይበጽሓት ንኣሰሓሓቢ ግድብ ህዳሴ ብምምላኣ: ዘለዋ ተቓውሞ ብዓርቢ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምፍላጣ ገሊጻ።

ብቢሊዮናት ዶላር ወፃኢ ይህነፅ ዘሎ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መመንጨዊ ሃይድሮ ኤለትሪክ ጥራሕ ዘይኮነስ ህንፀቱ ካብ ዝጅመር 2011 ጀሚሩ ማእኸል ምስሕሓብ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሃገሩ ኣብ 26 ሓምለ ኢትዮጵያ ኣብዚ ናይ ውሕጂ እዋን'ዚ ዓመት ነቲ ዲጋ ምምላእ ከምትቕጽል ዝገልጽ ደብዳበ ከምዝበጽሓ ይሕበር።

ናይዚ ግብረ መልሲ ግብፂ: ተቓውምኣ ንምምዝጋብን ስምምዕ ከይተበፅሐ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ ምቕፃላ ንምቅዋምን ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ፅሒፋ ኣላ።

እቲ ሚንስትሪ ግብፂ ኣንፃር በይናዊ ስጉምታት ኢትዮጵያ ንመጻኢ ክፈጥር ዝኽእል ሓደጋ ሓዊሱ ሕጋዊ መሰላን ሃገራዊ ረብሓኣን ንምርግጋፅ ኩሎም ኣገደስቲ ስጉምታት ክትወስድ ከም እትኽእል ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ንሓይሊ ኤለትሪክን ልምዓታን ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልፅ።

ካይሮን ካርቱምን ግን ብዛዕባ እቲ እቲ ዲጋ ስኽፍትአን ይገልፃ።

እቲ 4.2 ቢሊዮን ዶላር ይህነፅ ዘሎ ዲጋ ልዕሊ 5,000 ሜጋዋት ሓይሊ ኤለትሪክ ከመንጩ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ከባቢ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ሓድሽ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንኹሉ ተጠቀምቲ'ቲ ፈለግ ዝጠቅም ስምምዕ ክብፃሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ፃዕሪ ብዕቱብ ንድግፍ ኣለና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG