ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ወልቂጤ ብዝተፈጥረ ግጭት ዝተጠርጠሩ 123 ሰባት ኣብ ቐይዲ ኣትዮም


ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ወልቂጤ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ብሄረሰብ ጉራጌን ቀቤናን ብዝተፈጠረ ግጭት ተሓተቲ እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 123 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ’ቲ ምምሕዳር ኣቶ ኤልያድ ሽበርጋ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጽዎ ኣብ’ቲ ግጭት፣ ሓደ ፖሊስን ኣርባዕተ ሲቪላት ከምዝሞቱ፣ ልዕሊ 100 ሰባት ድማ ከምዝቆሰሉን ሓቢሮም።

ከተማ ወልቂጤ ሰላም ከምዘላ ዝጠቀሱ እቶም ኣማሓዳሪ፣ ዕንወት ዝወረዶም መንግስታዊን ውልቃዊን ትካላት ይጻረዩ ከምዘለው’ውን ገሊጾም።

ነበርቲ’ታ ከተማ ብወገኖም ወልቂጤ ትረጋጋእ ኣላ፣ ግን ሎሚ’ውን ስግኣት ኣሎና ከምዝበሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG