ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጊኒ ካብ ኢቦላ ናጻ ተባሂላ


ፋይል- በዓል ሞያ ጥዕና ክታበት ኢቦላ አብ ጊኒ ,ኮናክሪ እንዳሃበ። መጋቢት 7,2015
ፋይል- በዓል ሞያ ጥዕና ክታበት ኢቦላ አብ ጊኒ ,ኮናክሪ እንዳሃበ። መጋቢት 7,2015

ብሰንኪ ኢቦላ 2,500 ሰባት ዝሞትዋ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጊኒ፣ ካብ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ናጻ ከምዝኾነት ሰበ-ስልጣን ጥዕና ዓለም ገሊጾም።

ሓላፊ ባንኪ ዓለም ጂም ዮንግ ኪም፣ ንህዝቢን መንግስቲን ጊኒ እንኳዕ ሓጎሰኩም ኢሎምዎም። እቲ ሕማም ዳግም ንከይረኣይ ድማ ብትግሃት ንክሰርሑ ኣዘኻኺሮም።

ዝሓለፈ ወርሒ ናይ መወዳእታ በቲ ሕማም ተታሒዛ ዝነበረት 21 መዓልታት ዝዕድሚኣ ህጻን፣ ኣብ ማእከል ክንክን ኮናክሪ ሕክምና ድሕሪ ምርካባ ካብቲ ህማም ምድሓና ይፍለጥ።

ሴራልዮን፣ ጊኒን ላይቤርያን ብኢቦላ ካብ ዝተለከማ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ምንባረን ዝዝከር’ዩ። ሴራልዮን ቀዲማ፣ ጊኒ ድማ ሎሚ ካብ’ቲ ሕማም ናጻ ኮይነን ኣለዋ።

እዚ ማለት፣ ካብ ሕማም ኢባላ ናጻ ዘይኮነት እንኮ ሃገር፣ ላይቤርያ ጥራሕ ኮይና ኣላ።

XS
SM
MD
LG