ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዲያስፖራውያን ዘካየዶ ኣኼባ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን


ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዩኒቨርሲቲ ሃዋርድ ዝተጀመረ ኣኼባ ቀዳም ተቓሪፁ ሰንበት ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተፈፂሙ

መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካን ካናዳን ንዜጋታቱን ኢትዮዽያ ዝመቦቅሎምን ሰባት ብዛዕባ ትልሚ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ንምዝርራብ ዝወጠኖ ኣኼባ ቀዳምን ሰንበትን ተካይዱ። ናይ ዋሽንግተን ዲሲ ኣኼባ ግና ቀዳም ተቋሪፁ ትማሊ ሰንበት ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ኢትዮዽያ ተዛዚሙ‘ሎ።እቲ ኤምባሲ ግና ኩሎም ኣኼባታት ኣሜሪካን ካናዳን ብዓወት ተዛዚሞም ይብል።

ዕላማ እቲ ኣኼባ ”ብዛዕባ ውጥን ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ምስ ኢትዮዽያውያንን ኢትዮዽያ ዝመቦቆሎምን”ይብል ኣብ ውሽጢ‘ቲ ኣዳራሽ ዝተሰቅለ ፅሑፍ።እንተኾነ ቀዳም ምይይጥ ኣይተገብረን።

ምንስቲር ትምህርቲ ኢትዮዽያ ኣቶ ደመቀ መኮንን መብርሂ ምሃብ ምስ ጀመሩ፣ሓደ ተሳታፊ ንዝተቀትሉ ኢትዮዽያውያን ናይ ሕልና ፀሎት ይቅደም“ ዝብል ድምፂ ኣስምዐ።ናይ ድጋፍ ድምፂ‘ውን ተቃለሐ።ፖሊስ ዩኒቨርስቲ ሃወርድ ክንዲ ዝኻኣለ ደፊኡን ጎቲቱን ኣውፅኦም።ኣምባሳደር ግርማ ተጎቲትኩም ካብ ትወፁ፣ኮፍ ኢልኩም ኣዳምፁ እንተበሉ ሰማዒ ኣይተረኽበን።

ስሞም ክገልፁ ዘይመረፁ ተኣካባይ ኣብ ሪኢቶኦም "መዓስ ኢኹም ካብ ስልጣን ትወርዱ? ዕስራ ዓመት ኣይኣኽለኩምን ድዩ? ኣምባሳደር ብርሃነ ”ባድመ ናይ ኢትዮዽያ ድያ ናይ ኤርትራ? ንኣምባሳደር ግርማ ”ኣብ‘ዚ እዋን ብዙሓት ኦሮሞቶት ኣብ ኢትዮዽያ ኣብ ማእሰርቲ እናተሳቀዩ ንሶም እንታይ ይገብሩ‘ለው?" ዝብል ሕቶ ኣቅረቡ።

ኣቶ ወንድኣየሁ ካሳ ዝተባሃሉ ካልእ ተሳታፊ ንመንግስታዊ ውጥንን ንቅንዕና እቶም ኣጋይሽን ክገልፁ ከለው "ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዝሳለጥ ዘሎ ተበግሶ ለውጢ ክትገልፁልና ከለኹም፣ ብዘይመጠን ተሓጒስና።ሃገርና ኢትዮዽያ ብጥምየትን ደርቂን ትጥቀስ፣ህዝባ መቀለዲ ኮይኑ መስሐቂ ኮይኑ ዝፀንሐ ምኻኑ ንፈልጥ ኢና።ህዝቢ ኢትዮዽያ ካብ ጥምየት ተናጊፉ ኣይኮነን ዝባሃል ዘሎ።ገና ብዙሕ ጉዕዞ ይተርፈና‘ሎ።ይኹን‘ምበር እቲ ኣንፈት ኣብ ቅኑዕ መስመር‘ዩ ዘሎ" ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ፊት ንፊት ዩኒቨርስቲ ሃዋርድ መአከቢ ኣዳራሽ ክራምፕተን ተኣኪቦም ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቁፀሩ ተቃወምቲ፣ቀዳም ድሕሪ ምሳሕ ድምፆም የቃልሑ ነይሮም።ኣብ ኢትዮዽያ ህንፀት ህንፀት ዴሞክራሲን ምሩፅ ምሕደራን ኣብ ምስፋን ኢህወደግ ኣሉታዊ ተራ ኣለዎ፣ብራሃፅና ዘጥረናዮ ገንዘብ ንባንኪ ስዊስ ኣይነርክብን ዝብሉ ጭርሖታት ኣቃሊሖም።ኣብ ምርጫ 97ን ብድሕሪኡን ብኢህወዴግ ተቀቲሎም ናይ ዝበልዎም ሰባት ስእሊ‘ውን ሒዞም ነይሮም።

ብዛዕባ‘ቲ ኣኼባታት ኤምባሲ ኢትዮዽያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እንታይ ይብል? ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ወሃደ በላይ ኩሎም ኣኼባታት ዩ-ስን ካናዳን ብዓወት ተዛዚሞም ይብሉ።ንሶም ወሲኾም ዝተወሰኑ ኣኽረርቲ ሰባት ነቲ ኣኼባ ንምዝራግ ፈቲኖም ከምዝፈሸሎም'ውን ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG