ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ መርከብ ህይወት ኣድሕን ምትዃሶም ተሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ናብ ሓንቲ ስደተኛታት ክተድሕን ትፍትን ዝነበረት መርከብ ናይ መጠንቀቕታ ጥይት ብምትኳስ ከምትምለስ ጌሮም ክብል ሓደ ጉጅለ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

እቶም ሓለዋ ባሕሪ፡ ንሓንቲ 80 ስደተኛታት ሒዛ ናብ ኤውሮጳ ተበጊሳ ዝነበረት መርከብ ናብ መሬት ሊብያ ክትምለስ ከምዝገበሩ እቲ ጉጅለ ጠቒሱ`ሎ።

እቲ ኩነታት ዘጋጠመ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብቲ ዓለም-ለኻዊ ማያት`ዩ። ነታ ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት መርከብ ንኽትምለስ ዝገበሩ ድማ፡ ናብ ኤውሮጳ ዝብገሱ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምንካይ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝሰልጠኑን ዝኽፈሉን ሓለዋ ወሰን ባሕሪ ሊብያ`ዮም።

ብሸነኽ ኢጣልያ ዝነበሩ ሓለውቲ ብወገኖም ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ሪፖርት ከምዝመጾም ፡እንተኾነ እታ ኤስ.ኦ.ኤስ ሚደተራንያን ተባሂላ ትፍለጥ መርከብ፡ ነቲ ዘጋጠመ ኣብ ምሕባር ግቡእ መምርሕታት ኣይተኸተለትን ኢሎም። ሓለውቲ ባሕሪ ሊብያ ናብታ መርከብ ተጸጊዖም፡ ንሰራሕተኛታት ብተኹሲ ከምዘፈራርሑን፡ ናብ ላዕሊ ብምትኳስ ክትምለስ ከምዝገበሩን መራሕቲ`ታ መርከብ ሓቢሮም ኣለው።

ናይ ቪድዮ ምስሊ ከም ዘርእዮ፡ ጃልባ`ቶም ሓለውቲ ባሕሪ ሊብያ፡ ብልዑል ፍጥነት ናብታ መርከብ ክትሕንበብን፡ ኣብ ከባቢ`ታ መርከብ ክትሽክርክርን የርኢ፡እቲ ጉጅለ እዚ ዕላምኡ ድማ እታ መርከብ ናብቶም ስደተኛታት ንኸይትበጽሕ ንምኽልካላ`ዩ ይብል።

ካብታ ኦሽያን ቪኪንግ ዝተባህለት መርከብ “ናባና ክችኩሱ ኣይግባእን`ዩ፡ ሕጂ ካብቲ ባሕሪ ነልግሰልኩም ኣለና” ዝብል ድምጺ ይስማዕ። ድሕሪኡ እታ መርከብ ተመሊሳ እቶም ሓለውቲ ባሕሪ ሊብያ ድማ ነቶም ናብ ኤውሮጳ ተበጊሶም ዝነበሩ ስደተኛታት ሒዞም ናብ ሊብያ ከም ዝምለሱ ጌሮም።

ስደተኛታት ካብታ ናይ ጎማ ጃልባ ወሪዶም ኣብታ ናይ ሊብያውያን ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክሳፈሩ`ውን ብናይቲ ጉጅለ ናይ ዳህሳስ ነፋሪት ዝተሳእለ ምስሊ የርኢ።

ሊብያ ኣብ 2011 መዓመር ጋዳፊ ካብ ዝቕተል ንድሓር ካብ ህውከት ኣይወጸትን። ካብዚ ቅልውላው`ዚ ዝርብሑ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ድማ፡ ንስደተኛታት ኣብ ናኣሽቱ ናይ ጎማ ጃላቡ ብምዕሻግ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ምስግጋር ንግዲ ተዋፊሮም ይርከቡ።

ከም ሓበረታ ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ኢጣልያ ዛጊት ኣብዚ ዓመት`ዚ ጥራሕ ኣስታት 20-ሺሕ ስደተኛታት ኢጣልያ ከም ዝኣተው ይግለጽ። እዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ዝውስኽ ዘሎ ይመስል።

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጥራሕ ፡ ካብ ወሰን ባሕሪ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተበገሱ ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ድሒኖም ኣብ ወደባት ኢጣልያ ክበጽሑ ክኢሎም`ዮም። ካብተን ዘድሓና መራኽብ ሓንቲ ዝሓለፈ ዓርቢ 180 ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓና ኣብ ላምፓዱሳ ብፖሊስ ኢጣልያ ተኣሲራ`ያ። 34 ሰባት ጃልባ ስለጠሓለቶም ኣብ ምጥላቕ ከለዉ ከም ዝደሓኑ`ውን ይገልጹ።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፡ እተን ናይ ምድሓን ጀላቡ ይኹና መራኽብ፡ ግቡእ መምርሕታት ንዘይምኽታለን፡ ንስርዓት ርክብ ብምጭንናቐን፡ ከምኡ`ውን ነቲ መንግስቲ ዝተቐበሎ ናይ ርዱኡና ጻውዒት ብምድርራበን ነቶም ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ይእትውኦም ኣለዋ ዝብል ስምዕታ ኣለዎም።

ንኢጣልያ ዝመርሕ ዘሎ ሰዓቢ ተሪር-መስመር መንግስቲ ቀዳመይቲ ሚንስተር ጆርጅያ መሎኒ፡ ንምንቅስቓስ መራኽብ ድሕነት ከቢድ ጌርዎ`ሎ። ደገፍቲ ቀ/ሚ መሎኒ ብዙሓት መራኽብ ኣብ ባሕሪ ሚዲተራንያን ምህላወን ድማ፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ጀላቡ ክሳፈሩን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከውድቑን ዝተባብዕ ተግባር ኮይኑ`ሎ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG