ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ትግራይ ትካላት ጥዕና ተዘሪፎም' ዶብ ኣልቦ ሓካይም


ዶብ ኣልቦ ሓካይም(Doctors Without Borders) ዝተብሃለ ዓለምለኸ ገባሪ ሰናይ ኣብ ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ትካላት ጥዕና ''ተሰሪቖም፣ ተጎዲኦምን ዓንዮምን''ክብል ገሊፁ።እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ሎማዕንቲ ሶኑይ ከምዝሓበሮ ዳህሳስ ካብ ዝተገብረሎም 106 ትካላት ጥዕና 70 ምኢታዊ ተዘሪፉ ልዕሊ 30 ምእታዊ ድማ ዓኒዩ ኣሎ።

ዶብ ኣልቦ ሓካይም (Doctors Without Borders) ሎማዕንቲ ሶኑይ ከምዝሓበሮ ካብ ፍርቂ ታሕሳስ ክሳብ መጀመሪያ መጋቢት ዳህሳስ ካብ ዝተኻየደሎም 106 ትካላት ጥዕና 70 ሚእታዊ ተሰሪቖም ልዕሊ30 ሚእታዊ ድማ ዓንዮም ኣለው ኢሉ።ብስሩዕ ዝሰርሑ ዘለው 13 ምእታዊ ጥራሕ እዮም ኢሉ ብምውሳኽ።

‘’ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲታት ኣብቲ ህዝቢ ኣዕናዊ ተፅዕኖ ኣለዎም’’ ኢሎም ኦሊቨር በን ጀነራል ዳይረክተር ዶብ ኣልቦ ሓካይም።’'ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነት ኣብ እዋን ግጭት ትካላት ጥዕናን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ’’ኢሎም።እዚ ግን ብንፁር ኣብ ትግራይ ኣይኸውንን ዘሎ።

ውፅኢት መፅናዕቲ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ድሕነት ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ዘተሓሳስብ ምዃኑ እዩ። ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ምርጫ ምስንኻሉ ስዒቡ ፌደራል መንግስትን ኣብቲ እዋን ክልላዊ ሰበስልጣ ትግራይ ዝነበሩን ነንሓድሕዶም ዘይሕጋዊ ይበሃሃሉ።ሓይልታት መንግስቲን መሻርኽቶምን ንቶም መራሕቲ ይሃድኑዎም ኣብ ዘለሉ እዋን እቲ ውግእ ቀፂሉ ይርከብ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኵናት ከብቅዕን ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት ኵናት ብሕቡራት መንግስታት ዝምራሕ ዓለምለኸ ምርመራ ክካየድን ፅቕጢ ገጢሙዎም ኣሎ።ብፌደራል መንግስቲ ይካየድ ዘሎ ምርመራ እኹል ኣይኮነን ምኽኒያቱ ኣብ ባዕሉ ውፂታዊ ምርመራ ከካይዱ ኣይኽእልን ይብሉ ንመንግስቲ ዝነቕፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት መዳርግቲ ‘’ምፅናት ዘርኢ’’ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው፤መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ክስታት መሰረት ዘይብሎም ክብል ውዱቕ ገይሩዎ ኣሎ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተፃብኦ ጠጠው ከብሉዎ ብሊንከን ኣተሓሳሲቦም ኣለው።ወታደራት ኤርትራ ከምኡ እውን ተዋጋእቲ ኣምሓራ ካብ ትግራይ ክወፁ ኣለዎም ኢሎም ኣለው።እቲ ክልል ‘’ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ትግራይ ዘይግህስ ወይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝረኣናዮ ተግባራት ምፅናት ዘርኢ ዘይፍፅም ሓይሊ የድልዮ።እዚ ጠጠው ክብል ኣለዎ’’ ኢሎም ብሊንከን።

ዶብ ኣልቦ ሓካይም ከምዝበሎ ኣብ መብዛሕቲኦም ከባቢታት ትግራይ ትካላት ጥዕና ‘’ኮነ ተባሂሉ ከምዘይሰርሑ ተገይሮም ተጎዲኦም።ሓደ ካብ ሓሙሽተ ትካላት ጥዕና ብወታደራት ተታሒዞም ኣምቡላንሳት ብዕጡቓት ጉጅለታት ምስ ተወሰዳ ሕዚ ኣምቡላንስ ዘለወን ኣዚየን ሒደት ትካላት ጥዕና እየን’’ይብል።

ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነፍሰ ፁር ኣዴታት ቅድመ ወሊድን ድሕሪ ወሊድን ክንክን ዝረኸባ ኣዚየን ውሑዳት እየን፤ህፃውንቲ ክታበት ይረኽቡ ስለዘየለው ንቕድሚት ግዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ይብል እቲ መግለፂ።

ብመሰረት ፀብፃብ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ኢትዮጵያ ግን ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ሆስፒታላት 75 ምእታዊ ምሉእ ብምሉእ 10 ምእታዊ ድማ ብኽፋል ስራሕ ጀሚሮም ኣለው።

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት 1,583 ኣዴታት ኣገልግሎት ረኺበን ኣለዋ።ኣብቲ ክልል ካብ ዝሰርሑ ሰብ ሙያ ጥዕና ልዕሊ 90 ምእታዊ ኣብ ማእዲ ስርሖም ከምዝርከቡ እቲ ፀብፃብ መንግስታዊ ዜና ማዕኸን ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ሰበስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት የጠንቅቑ።እቲ ኵናት ዘራእቲ ንምሕፋስ ምድላው ኣብዝግበረሉ እዋን ብምጅማሩ በዝሖም ዘይፍለጥ ሰባት ንመንበሪገዛውቶም ገዲፎም ሃዲሞም።ወታደራት ኤርትራ ሰፊሕ ስርቅን ምቅፃል ዘራእት ከምዝፈፀሙ መሰኻኽር ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

'ኣብ ትግራይ ትካላት ጥዕና ተዘሪፎም' ዶብ ኣልቦ ሓካይም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:59 0:00


XS
SM
MD
LG