ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ግሪኽ ንመርዓ ተመሳሳሊ ጾታ የጽድቕ


ፓርላማ ግሪክ
ፓርላማ ግሪክ

ፓርላማ ግሪኽ ንመርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ዝምልከተ ሕጊ ሎሚ ሓሙስ ኣጽዲቑ። እዚ ኣብታ ዝበዝሓ ካብ ህዝባ ተኸታሊ ዓቃባዊ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ዝኾነት ሃገር ናይ ፈለማ ምዃኑ’ዩ።

እቲ ንድፊ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ንኽልተ መዓልታት ዝኣክል ብርቱዕ ክትዕ ተኻዪዱሉ’ዩ።

እንተዀነ እቲ ብማእከላይ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገርን ካልኦት ኣርባዕተ ጸጋማውያን ሰልፍታት እታ ሃገርን ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።

በቲ ውሳነ ዝተሓጐሱ ዜጋታት ባንዴራ ተመሳሳሊ ጾታ ሒዞም ከንበልብሉ ተራእዮም ኣለዉ።

ነቲ ውሳነ ዝቃወሙ ወገናት ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ፓርላማ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ኣስሚዖም ኣለዉ። ተሪር የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ድማ ነቲ ውሳን “ሕሙም” ክብሉ ነጺጎም።

ግሪኽ ብዝተፈላለዩ ሰብኣዊን ቍጠባዊን ቅልውላው ትሳቐ ዘላ ሃገር’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG