ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስድራቤታት ሓደጋ ባሕሪ ግሪኽ ፍትሒ ይጽውዑ


ብ13 ሰነ ንዘጋጠመ ሓደጋ ባሕሪ ግሪኽ ዝግብኦ ምርመራ ክግበረሉ ብምባል ስድራቤትን ግዱሳትን ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ባህሪ፡ 750 ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ሬሳታት 82 ሰባት ተረኺቡ’ዩ። ደሃይ’ቶም ካብ ሊብያ ነቒሎም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ዝተረፉ ተጓዓዝቲ ግን ዛጊት የሎን።

ሕቡራት ሃገራት ንተኽእሎ ምድሓን ኣብ ግምት ብምእታው ዘድሊ ምርመራ ክግበር ይጽውዕ ኣሎ።

ሰብ-መዚ ግሪኽ እቶም ተጓዓዝቲ ናይ ርድኡና ጻውዒት ኣይገበሩን ብምባል ደጋጊሞም ገሊጾም። እታ ጃልባ ናብ ኢጣልያ ቀኒዓ ብምንባራ ድማ ምትእትታው ክግበሩ ከም ዘይተደፋፍኡ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ይምጕቱ።

እዚ ክስተት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ሓደጋ ባሕሪ ግሪኽ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ፖሊስ ግሪኽ ምስቲ ጉዳይ ኣተሓሒዙ ትሽዓተ ዜጋታት ግብጺ ዝዀኑ ጥርጡራት ኣሲሩ ኣሎ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ግን ደሃዮም ገና የሎን። ሕጂ ብህይወት ናይ ምጽናሖም ተኽእሎ ኣዝዩ ንኡስ ኰይኑ፡ ስድራቤቶም ግን ፍትሒ ይሓቱ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG