ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደተኛታት ጽዒና ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዘጋጠማ መርከብ 79 ሬሳታት ምርካቡ ሰብ ስልጣን ግሪክ ገሊጾም


ነቶም ስደተኛታት ጽዒና ዝነብረት መርከብ
ነቶም ስደተኛታት ጽዒና ዝነብረት መርከብ

ድሕሪ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ማያት ግሪክ ትማሊ ሓሙስ ምጥሓላ ግሪክ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ሓዘን ጊዜ ኣዊጃ'ላ።

ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ 79 ሰባት ሞይቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ'ውን ኣለው።

ካብ’ቶም ዝሞቱ መብዛሕተኦም ግብጻዊያን፣ ሶርያዊያንን ፓኪስታንን እዮም።

ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ስቴፈን ዩሪክ መግለጺ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝሰንበዱ ብምግላጽ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንከየጋጥም ዝድለ እንተኾይኑ፣ ስደተኛታት ዝብገሱለን፣ ዝሓልፉለንን ዝበጽሑለንን ሃገራት፣ ተሓባቢረን ምስ ዝሰርሓ’ዩ ኢሎም።

ሎም ዘበን ጥራሕ ኣብ ቁጽሪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ሓደ ሽሕ ከምዝበጽሕ ሕ/ሃ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ናይ ግሪክ ፕረዚደንት ካትሪና ሳክል ሮፐሉ፣ ካብ’ቲ ሓደጋ መርከብ ንዝዳሓኑ ሰባት በጺሖምዎም ኣለው።

ኣብ’ታ ሓደጋ ዘጋጠማ መርከብ ኣስታት 750 ሰባት ተሳፊሮም ከምዝነበሩ’ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ሰበ ስልጣን ግሪክ ግና ብዝሒ ተሳፈርቲ ምግማት ጊዚኡ ኣይኮነን በሃልቲ እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG