ዋሽንግተን —
ግሪክ ልክዕ ከም ኢጣልያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣጋጥምዋ ይርከብ። ነዚ ንምግታእ ስጉምትታት ንምውሳድ ይሰርሓሉ ምህላው ኣብ ዝግለጸሉ ሕጂ እዋን መንግስቲ ንመሻርኽቱ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ስደተኛታት ናብ ዝመፅሉ ሃገሮም ዝምለስሉ ፃዕሪ ንኽፅምበሩ ድፍኢት ይገብር ኣሎ። ግሪክ ነቲ ዛዕባ ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ስጳኛ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ከተልዕሎ እያ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበር ኮይኑ ኣብ መንጎ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ሓባራዊ ስምምዕ ምብፃሕ ግን ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።
ቅጥዒ