ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣብ ኤርትራ ዝተኣሰሩ ዜጋታታ ክትሪኢ ዘይካኣለት እንግሊዝ ሻቕሎታ ገሊፃ


ኤርትራ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ተቖጢባ

ኣብ ኣስመራ ኣምባሳደር እንግሊዝ ሳንድራ ቴይለር-ሄይውድ፣ነቶም ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝተኣሰሩ 4 እንግሊዛውያን ክበፅሓ ዘይምኽኣለን፣ከቢድ ሻቅሎት ከምዝፈጠረሉ፣ሎሚ ንቪኦኤ መግለፂ ዝሃበ ቤት ዕዮ ምንስቴር ወፃኢ እንግሊዝ ሓቢሩ።

ንመርከቦም ነዳዲ ክመልኡ ኣብ ኤርትራ ዘዕረፉ 4 ዜጋታታ ከምዝተኣሰሩዋ እንግሊዝ ንዝሃበቶ ክሲ፣ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ተቆጢቦም‘ለው።

ምንስቴር ወፃኢ እንግሊዝ ግና፣ካብ‘ታ ዝሰማዓናላ ዕለት ጀሚሩ ንክንሪኦም ኣበርቲዕና ንፅዕር ኣለና ይብል።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ዜጋታት ኣሜሪካ ካብ ማያትን ወደባትን ኤርትራ ንክርሕቁ ሰንበት ዝወፀ መጠንቀቂ ይሕብር።እቲ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፀኦ ሪፖርት፣ዝሓለፈ ታሕሳስ ነዳዲ ንምምላእ ናብ ምፅዋዕ ዝኣተወት መርከብ እንግሊዝ ብኤርትራ ከምዝተታሓዘትን፣ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኣርባዕተ መርከበኛታት ከምዘይተፈትሑን ሓቢሩ‘ሎ።

እቲ ዩ-ስ ዝሃበቶ መጠንቀቂ መንገደኛታት ወሲኹ፣ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዘሳፈራ መራኽብ‘ውን ንኣዋርሕ ከምዝተታሓዛ ሓበሬታ ኣሎ ይብል። ኣብ ኩሎም ተጓንፎታት፣መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ነተን መራኽብ ከምዝሓዘን፣ወይካኣ ቆንስላዊ ምብፃሕ ዘይፈቀደሉ ምኽንያት ኣይተዛረበን ዘሎ።ወደብ ዓሰብ ንኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ካልኦት ሃገራት ዕፁው‘ዩ።

XS
SM
MD
LG