ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ዝጨፍጨፈ ግራዚያኒ ሓውልቲ ምስርሑ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ክብሉ ፕሬዝዳንት ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ገሊፆም


ብጨፍጫፍነቱ ዓለም ንዝፈለጦ ጣሊያናዊ ሮዶልፎ ግራዚያኒ ናይ መዘከርታ ሓውልቲ ምስርሑ ኣዝዩ ዘጉህን ዘሕዝንን እዩ ክብሉ ፕሬዝዳንት ማሕበር ሓርበኛታት ጀጋኑ ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ኣስታጥቄ ኣባተ ኣፍሊጦም።ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሓደ ማዕልቲ ዝተጨፍጨፍሉ መበል 76 ዓመት ሎማዕንቲ ተዘኪሩ ውዒሉ’ሎ።

ልክዕ ከም ሎሚ ቅድሚ 76 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሞት ዝነገሰላ ዕለት ነይራ።ኢትዮጵያዊያን ሓርበኛታት ኣብርሃም ደቦጭን ሞገስ ኣስገዶምን ካብ ዝፈተኑዎ ናይ ቕትለት ፈተነ ዘምለጠ ጣሊያናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሮዶልፎ ግራዚያኒ ዝወሰዶ ናይ ሒነ ምፍዳይ ስጉምቲ መዳርግቲ ኣይነበሮን።

12 ለካቲት 1929 ዓ/ም ልዕሊ 30 ሽሕ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተጨፊጢፎም፣ገዛውቶም እውን ነዲዱ።ካልኦት እውን ንመረበቶም ገዲፎም ተሰዲዶም።ናይዞም ሰማእታት እዚኦም ከምቲ ልሙድ ሎማዕንቲ እዞም ሰማእታት እዚኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘኪሮም ውዒሎም ኣለው።

ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ናይ ጥንታዊት ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ሊቀ ትጉሃን ኣስታጥቄ ኣባተ ናይቲ ጭፍጨፋ ቀንዲ ተዋስኣይ ዝነበረ ግራዚያኒ ዝፈፀሞ ግፍዒ ኣዘኻኺሮም።

ግራዚያኒ ብቤት ፍርዲ ሓዊሱ ዝተወገዘን ዝተፈረዶን ገበነኛ እዩ ኢሎም።ነዚ ሰብ እዚ ኣብ ጣሊያን ዝተውሃቦ ክብርን ዝተተኸለሉ ሓውልትን ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ኢሎም። ዓለም ዝፈለጦ ጨፍጫፊ ሎሚ ንኽብሩ ከምዚ ምስርሑ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘተክዘናን እዩ።’’ንሓዋሩ እውን እንተኾነ ንኢትዮጵያዊያን ጥራሕ ከይኮነስ ንዓለም ዘሸገሩ ጨፍጨፍቲ ክውገዙ እዮም።’’
ነዚ ዕለት ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ሎማዕንቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተዳለወ ናይ ምይይጥ መድረኽ ዝተዛረቡ ተሳተፍቲ ግራዚያኒ ጨፍጫፊ እምበር መዘከርታ ጠጠው ክበለሉ ዘይግባእ ሰብ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሰማያዊ ፓርቲ ዝቕፅል 30 ለካቲት 2005 ዓ/ም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ህዝባዊ ሰልፊ ንምፅዋዕ ውጥን ከምዘለዎ ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ኣረዲኦም።
XS
SM
MD
LG