ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

44 ሚእታዊ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ተዛዚሙ ኢሎም ኢንጂነር ስመኘው በቀለ


ዳሕረዋይ ፎቶግራፍ ዞባ ህንፀት ግድብ ህዳሴ
ዳሕረዋይ ፎቶግራፍ ዞባ ህንፀት ግድብ ህዳሴ

ኣብ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ልዕሊ 9 ሽሕ ሰብ-ሞያ ኣለው። እቶም 400 ወፃእተኛታት።ፈለማ 5,020 ሜጋዋት ዳሓር ግና 6000 ሜጋዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘምንጭው ገዚፍ ስራሕ ግድብ ከምዝተጀመረ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ምዕዋት ህንፀት ገዚፍ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ዝኾነ ግድብ ህዳሴ ኣማኸርቲ ኮይኖም የገልግሉ ዘለው ክልተ ተላፈንቲ ኩባንያታት ፈረንሳዊ ትካልን ጣልያዊ ኩባንያን’ውን ኣለው ይብሉ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ።

ህንፀት ግድብ ተሰሪሑ ምስዝዛዘም መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብየማነ ፀጋም ሩባ ኣባይ 175 ሜጋዋት ናይ ምምንጫው ዓቅሚ ዘለዎም ተርባይናት/ጀነረተራት፣ካብ’ቲ ሩባ ብኢድ የማን 10 ዩኒት (ክፍልታት) ብኢድ ፀጋም እቲ ሩባ ድማ 6 ዩኒታት (ክፍልታት) ክስርሑ’ዮም።

ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንርእሳ ኪኢላ ክሳብ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቅን ብመልክዕ መሸጣ ንምቅራብ ውጥን ከምዘለዋ፣ሓላፊት ኮርፖረሽን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ከምዝገለፃ ዝዝከር’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:29 0:00

XS
SM
MD
LG