ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዝበለጸ ናይ ሙዚቃ ስርሓት ሽልማት ዝወሃበሉ ስነስርዓት ሽልማት ግራሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኒው ዮርክ ተኻይዱ


ንዝበለጸ ናይ ሙዚቃ ስርሓት ሽልማት ዝወሃበሉ ስነስርዓት ሽልማት ግራሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኒው ዮርክ ተኻይዱ።

ትማሊ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት ግራሚ ብዝበለጸ አልበም፡ ሙዚቃን ናይ ሙዚቃ ስርሓትን ናይዚ ዓመት’ዚ ብሩኖ ማርስ ተዓዊቱ’ሎ።

“24K Magic” ዘርእስቱ አልበም ዝበለጸ ሽልማት ዝረኸበ ብሩኖ ማርስ ንስርሓቱ ናብ ዓወት ክበቕዑ ዝኸአሉ ብሓደ ምክንያት እዩ ይብል።

ንሱ ብምቕጻል ነቲ ሽልማት ኣብ ዝተቐበለሉ ህሞት ከምዚ ይብል።

“ ኣብዚ አልበም ዝተጠቓለሉ ስርሓት ብምሉኦም ብሓጎስ ዝተሰርሑ እዮም። ስለዚ ድማ ብሓደ እንኮ ምክንያት ንሱ ድማ ፍቕሪ እየ ነዚ አልበም አዳልየ። ኣነ ድማ ዳግማይ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ክሕልወኒ ተስፋ እገብር፡ ኩሉ ሰብ ድማ ክስዕስዕን ክሕጎስን ተስፋ እገብር።”

ብተወሳኺ ብዝበለጸ ናይ ሪትምን ብሉስን ናይ ሙዚቃ ስርሓት ብሩኖ ማርስ ተዓዋቲ ኮይኑ’ሎ።

ዝበለጸት ሓዳሽ ስነጥበባዊት ብምዃን ኣሊሳ ካራ ክትዕወት ከላ ብዝበለጸ ናይ ራፕ ሙዚቃ ድማ ኬንድሪክ ላመር ተሸሊሙ’ሎ።

ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት ግራሚ ስነጥበባዊት ጃነል ሞኒ ንተዓዘብቲ እዚ ናይ ሙዚቃ ኢንዳስትሪ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ጾታዊ መጥቓዕቲ፡ ጾታዊ አድልዎን ክገጥሞ ይግባእ ኢላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ነቲ ብዛዕባ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ 2016 ምርጫ ዓወት ብዝምልከት ንዝተጻሕፈ መጽሓፍ ብድምጺ ንምቕራጽ ኣብ ዝኻየድ ዝነበረ ኦዲሽን ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ መወዳደርቶም ዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን ምርኻበን ተሓቢሩ’ሎ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃሊ ብዛዕባ እቲ ብድምጺ ክዳልው ንዝተሓስበ መጽሓፍ ብዝምልከት ብትዊተር ኣብ ዘውጽእኦ መልእኽቲ “ኩሉ ጊዜ ንሽልማት ግራሚ ከምዝፈትውኦ እንተኾነ ስነ ጥበባዊያን ነቲ መጽሓፍ ከንብቡ ዝብል ግን ነቲ ሽልማት ቀቲልዎ’ዩ” ኢለን።

ሓላፊ እቲ ነቲ ሽልማት ዘዳልው ትካል ኔል ፖርትኖ ን ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሂላሪ ክሊንተን ኣብቲ ኦዲሽን ምርኻበን ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ ሕጫጨ’ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG