ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ይካየድ ኣሎ


91.5 ሚታዊ ዝኾኑ ተምሃሮ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ምውሳድ ምጅማሮም ምንስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝተኸሰተ ግጭት ፈተና ዝይወሃበሎም ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ተራእዩ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ፈተና ክወሃብ እዩ ኢሎም ናይቲ ምንስተሪ ምንስቴር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ውግእ ኣብዘለዎም ከተማታት ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 33,000 ተምሃሮ ፈተና ከምዘይወስዱ ናይቲ ክልል ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፈተና ይካየድ ከምዘሎ ናይ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ፀሃይ ዳምጠው ካብ ኣዲስ ኣበባ።

XS
SM
MD
LG