ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ህዝቢ ወልቃይት ልዕሊ ዝኾነ ዘመን ሎሚ ብኩሉ ተረባሒ’ዩ' ይብሉ ኣማሓዳሪ ወልቃይት


ካርታ ትግራይ
ካርታ ትግራይ

ኮሚቴ ሕቶ መንነት ወልቃይት ኢና ንዝብሉ ኣሚኑ ዝፈረመ ሰብ የለን፣ እቶም ዝፈረሙ’ውን እንተኾኑ ፅርግያ ክኣትወልኩም’ዩ፣ ዘይቲ ክትቅበሉ ኢኹም ኢሎም ዘደናገርዎም ሒደት ሰባት’ዮም፣ ብኣሻሓት ዘይኮነ ድማ ብኣማኢት ዝቁፀሩ ክህልው ይኽእሉ’ዮም’ ኢሎም ኣማሓዳሪ ወልቃይት ኣቶ ጀጀው ደሞዝ። ካብ ኣባላት’ታ ኮሚተ ንዝቀረበ ሕቶ መንነት፣ ሕቶ ህዝቢ ስለዘይኮነ ኣይተቀበልክዎን’ውን ይብሉ እቶም ኣማሓዳሪ።

ኮሎኔል ደመቀ ‘ህዝቢ ወልቃይት ተረባሒ እንተዝኸውን ነይሩ ናብ’ዚ ሕቶ’ዚ ምናልባሽ ኣይንበፃሕናን ነይርና’ ክምዝበሉ ዝዝከር’ዩ፣ ብዛዕብኡ ዝተሐተቱ ኣቶ ጀጀው ግና ‘ብወገን ህንፀት ፅርግያ 80 ሚእታዊ፣ እቲ 53 ሚእታዊ ብኣስፋልቲ፣35 ሚእታዊ ከባቢ’ቲ ከባቢ ተጠቃሚ ሓይሊ ኤለክትሪክ፣ ልዕሊ ሰማንያ ሚእታዊ ሽፋን ሞባልይ ስልኪ፣ ሓፈሻዊ ክልተ ሆስፒታል፣ መባእታዊ ክልተ ሆስፒታል፣ ጣቢያ ጥዕን 21፣ ኬላታት ጥዕና 53፣ ብመዳይ ትምህርቲ ወልቃይት ቅድም እንትብል 1 ቤ/ትምህርቲ ዝነበራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 93 ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ፣ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘሳግራ’ውን ሓዊሱ ኣለዋና’ ይብሉ። ብቴክኒክን ሞያን ዘምህራ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ኣለና ኢሎም ንሶም።

ንሕና ትግርኛ ኢና ንዛረብ፣ ምስ ካልእ ክፍሊ ትግራይ ዘፈላሊ የብልናን። ንሳቶም’ዮም ዝተፈለና ዝብሉ’ምበር ናይ ቛንቛ ኣፈላላይ የብልና፣ ባህላዊ ኣፈላላይ የብልና፣ ንሕና ትግርኛ ኢና ንዛረብ። ምስ ካልእ ዘመሳስል የብልናን ምስ ትግራይ’ምበር በሉ ኣቶ ጀጀው።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:40 0:00

XS
SM
MD
LG